
pictures
ብዙሓት ሰበኽቲ ወይ መስከርቲ ደጋጊሞም ኪጠቕስዎን፡ ኪተኣማመንሉን ዚርአ ጥቕሲ ኣብ ዮሃ.14፡6 ዘሎ እዩ። “የሱስ ከኣ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ።፡ ዚበሎ እዩ ብሓቂ ከኣ ጥዑም ጥቕሲ እዩ። ግና እቲ ጥቕሲ ብምሉኡ እንተተነቢቡ ኣዝዩ ዝጠዓመ ይኸውን። “ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” መገዲ ዘድልየካ ናብ ሓደ መዕረፊ፡ ወይ ዕላማ፡ (Destination) ንኽትበጽሕ እዩ።
ጐይታ የሱስ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘብጽሓና መገዲ እዩ፡ ሓቂ እዩ። “እቲ ቃል ስጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ከኣ ኣባና ሓደረ።” ህይወት ከኣ እዩ፡ “ህይወት ኣብኡ ነበረት እታ ይብል። ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት” “ንስኻ ናይ ዘልኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ” ይብል። ጐ.የሱስ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 17 ዝጸለዮ ናይ ሊቀ ክህንነት ጸሎት (ናይ ምምላድ ጸሎት) ንእግዚኣብሄር ደጋጊሙ ዎ ኣቦይ (6 ሳዕ) እናበለ ዝጸለዮ ጸሎት “ዎ ኣቦይ ..... ነዞም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም፡ ናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሃብካኒ፡ ቃልካ’ውን ሓለዉ።” ስምካ ገለጽኩሎም ዚብል ኣጸቢቕና ከነተኵረሉ እደሊ። ጐ.የሱስ መጺኡ፡ መገዲ ኮይኑ፡ ከማና ሰብ ብምዃን ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ እንተ ዘየፋልጠና፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንከውን እውን እንተዘየብቅዓና ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምፈለጥናዮዶ? ኣይመስለንን።
እስራኤላውያን ንእግዚኣብሄር ብዝተፈላለየ ስም ይጽውዕዎ ነይሮም፡ ንኣብነት፡ ያህወ ኣምላኽ፡ ኤሎሂም፡ ኤልሻዳይ፡ ወዘተ ግን እግዚኣብሄር ኣቦና ኢሎምዎ ኣይፈልጡን፡ ዕሽነት ኮይኑ’ውን ይስምዖም፡ ስለምንታይ ስም እግዚኣብሄር ዘፍልጦም፡ ስሙ ዚገልጸሎም መገዲ ዚኾኖም የሱስ ኣይረኸብዎን።
ጐ.የሱስ ምስ ሃዋርያት ኪመላለስ ከሎ፡ ደጋጊሙ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣቦ ይምህሮም፡ ይጽሊ፡ ስለዝነበረ ካብቶም ካልኦት ህዝቢ ዝተፈልየ ርድኢት ከም ዝነበሮም ኣየጠራጥርን። ይኹን’ምበር እኹል ምስትውዓል ግን ዝረኸቡ ኣይመስለንን፡ ቀስ እናበሉ ብምግላጽ ቃሉ ግን ምስትውዓሎም ዝበርሀ ይመስል።
ኣብ ወንጌል ሉቃል 10፡21-24 “በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጎሰ፡ በለ’ውን ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን ነዚ ካብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንህጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ እወ ኣቦይ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ከምዚ ስለ ዝኾነ አመስግነካ ኣለኹ። ኩሉ ካብ ኣቦይ ተዋሂቡኒ። ንወዲ መን ሙዃኑ ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ኣቦ ከኣ መን ምዃኑ ብዘይ ወድን ወዲ ከኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ከኣ ንበይኖም፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም።”
ኣብዚ ክፍል’ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ቃል ንርኢ፡ ንጐይታና የሱስ መን ምዃኑ ዚገልጸልና እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ከኣ መን ምዃኑ ኪገልጸልና ዚኽእል ጐ.የሱስ ጥራይ እዩ። ጐ.የሱስ ክርስቶስ ንእግዚኣብሄር ኣቦ መን ምዃኑ ኪገልጸልና ምኽኣሉ ጥራይ ዘይኮነስ ፍታዉ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ከኣ ናብቲ መገዲ፡ ናብቲ ሓቂ፡ ናብ ህይወት እንድሕሪ መጺእና ናብ ኣቦና ክንኣቱ ብቐሊሉ ንኽእል።
ብዙሓት ንእግዚኣብሄር ከከም ዚመስሎም ኪገልጽዎን ትርጉም ኪህቡሉን ፈቲኖም እዮም፡ ግን ንጐ.የሱስ ክሳዕ ዘይፈለጡ ንእግዚኣብሄር ኣቦ’ውን ኣይፈልጡዎን እዮም እሞ መግሊጺኦም ከንቱ ይኸውን።
የሱስ ኣብ ህይወቱ ዘለዎ ሰብ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኪርእዮ ወይ ኪጭብጦ ኢሉ ኣይጭነቕን እዩ፡ ከመይሲ ቃሉ ከምዚብሎ፡ “እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየ .... ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦይ ከኣ ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ፡ ... ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።” ኪብል ከሎ ኢና ነንብብ። ብሓቂ’ውን ብተግባር ኣብ ህይወትና እንተርኢና ንእግዚኣብሄር ኣቦ፡ እንታይ’ዩ ዚመስል፡ ብከመይ’ዩ ዚምልከተና፡ ምሉእ መነባብሮ ከምዘለካ ብቤትካ ኢኻ ትፍለጥ፡ እንተዘይኮነ ቤት ዘይብሉ ፋሉል እዩ፡ ህይወት’ውን የብሉን። መዕረፊ ዘይብሉ ናብራ ኪህልዎ ኣይክእልን እዩ። ናይ ካልኦት ቤት ክትውዕለሉ ትኽእል ትኸውን ክትነብረሉ ግን ኣይትኽእልን።
እግዚኣብሄር ኣቦና እዩ ማለት መንበሪና እዩ ማለት ከኣ እዩ። “እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ እዩ።” ዘዳ.33፡27 ዚብል ኣስተብህለሉ።
እግዚኣብሄር ኣቦኻ ኪኸውን እንተድኣ ፈቒድካ፡ ቤት ከኣ ኣሎካ፡ መንበሪ ኣሎካ። ሓደ ክርስትያን ሰባኻይ ከምዝበሎ ምስ ሞትኩ ኣብ መቓብረይ ስመይ ጽሒፍኩም ብክንድዚ ዕለት ንገዝኡ ከይዱ ኢልኩም ጽሓፉለይ ኢሉ ተላብዩ ይበሃል። ናብ ኣቦኻን ናብ ቤትካን ክትከይድ ከለኻ በይንኻ ጥራይ ኣይኮንካን ትኸይድ፡ ብመላእኽቲ ተዓጂብካ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ፌስታ እናተገብረልካ እምበር። ናይቲ ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻ ሰብኣይ ኣማውታ’ሞ ተመልከት፡ እቶም መላእኽቲ ተቐቢሎም ብኽብሪ እዮም ኣብ ሕቝፊ ኣብርሃም ኣንቢሮሞ።
ሓደ ህጻን ኣብ ኢድ ወላዲኡ፡ ከመይ ከምዝተኣማመን ከነስተውዕል ንኽእል ኢና፡ ዓለም ክትናወጽ ትኽእል፡ ሽግራት ከጋጥም ይኽእል፡ ነቲ ህጻን ግን እዚ ኩሉ ድምብርጽ ኣይብሎን፡ ኣብ ሕቝፊ ወላዲኡ እዩ ዘሎ።
እግዚኣብሄር ኣቦና ስለዝኾነ ፍሉጥ መጸግዒ፡ ምሉእ ውሕስነት ኣሎና፡ እንተ በደልና’ኳ ይቐጽዕና ድኣ’ምበር ኣይድርብየናን እዩ። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕ.6፡37 “ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ከቶ ነወጻኢ ኣይድርብዮን እየ።” ይብል። ኣብ
ምዕ.10፡27-29 “እተን ኣባጊዔይ ግን ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ አለልየን ንሳተን’ውን ይስዕባኒ ........ እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኩሉ ይዓቢ እዩ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኪምንዝዐን ዚኽእል የልቦን።” ይብል። ከምኡ’ውን ኣብ ሉቃ.12፡32 “ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኪህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ።”
ኣብዚ ዓለም’ዚ ክንነብር ከሎና፡ ብኣራዊት ዝተኸበብና ሒደት መጓሰ ክንከውን ንኽእል ኢና፡ ግን ፍቓድ ኣቦና እዩ’ሞ መንግስቲ ናትና እዩ። ዝመጸ እንተመጸ ከኣ ካብ ኣቦና ዘግድፈና የልቦን።
ኣብ ፊሊጲ 2፡3-4 ከም ነንብቦ፡ “ሓንቲ’ኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሰ ከንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ነፍስ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍስ ወከፍ ንርእሱ ዚሕሾ ኣይጠምት፡” ይብል።
ኣብ ቤት ኣምላኽ ወይ ንቕዱሳን ከተገልግል ከሎኻ፡ ኣብ መንፈሳዊ ስራሕ ተዋፊርካ ክትዓዪ ከሎኻ ዕላማኻ ንጹር ድዩ? ናይ ኣቦኻ ስራሕ ዲኻ ተሳልጥ ዘሎኻ? ኣቦ ዘሎዎ ንኪገብር ጸዓት ኣሎዎ፡ እቲ ዚገብሮ ከኣ ኣማስይኡ ብኣቦኡ ኪፍተሽን ኪግምገምን ስለዝኾነ፡ ንጥቕሙ ኢሉ ኣይገብሮን እዩ። ዓወትና ክሳዕ ክንደየናይ ናይ ኣቦና ዕዮ ከምዝተፈጸመ’ዩ እምበር ክሳዕ ክንደየናይ ስምና ከምዝተፈልጠ ኣይኮነን።
ጐ.የሱስ ኣብ ዮሃ.8፡29 ከም ዝበሎ፡ “እቲ ዝለኣኸኒ ከኣ ምሳይ ኣሎ፡ ኩሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ፡” በሎም። እሞ ዕዮኻ ክትገብር፡ ዝተዋህበካ ጸዓት ክትፍጽም ዚደፍኣካ መንዩ ኣቦኻዶ ወይስ ውሽጣዊ ድሌትካ? ኣቦ ዘለዎ፡ ዚገብሮ ዘበለ ንመን ኢሉ ከምዚገብሮ ይፈልጥ እዩ። ንስኻ’ውን ንእግዚኣብሄር ኣቦኻ ብዚግባእ ፈሊጥካ፡ ብእኡ ክትሕጎስ ይግብኣካ እዩ፡ እትሕጎሰሉ ጊዜ ከኣ ሕጂ እዩ።
እዚ ብትኽክል መገዲ እንተ ዘይተገልጸልካ
ግን ጐ.የሱስ መገዲ ናብ ኣቦ ስለ ዝኾነ ንዕኡ ሕተቶ፡ ከላልየካን ንኣቦ ኪገልጸልካን ይፈቱ እዩ።
እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ“ ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውና’ውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቃል ህይወት፡ ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ከኣ እተገልጸት ናይ ዘልኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ ንምስክር ንነግረኩም’ውን ኣሎና። ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኪህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትና’ውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። ሓጎስና ምእንቲ ኪምላእ ኢልና እዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና።”
1ዮሃ.1፡1-4