
pictures
መ እ ተ ዊ
ሓደ ሰብ ብዘይ ኣምላኽ ኪነብር፡ ብሓጢኣት ከም ድላዩ ኪፋንን፡ ትርጕምን ሰላምን ዘይብሉ ናብራ ኪነብር ከም ዘይክእል፡ ምስ ፈለጠ ብሕማም ኮነ ብጻዕረ ሞት ምስ ተታሕዘ፣ ካብኡ ንንየው ከኣ ኪቕጽል ከም ዘይክእል ምስ ተረድአ ካብቲ ሽግሩ ዘውጽኦ ካልእ ሓጋዚ ከም ዚደሊ ፍሉጥ እዩ። ሓይሉ ምስ ተወድአ ዚሓቶ ሕቶ ድማ፣ “ካብዚ ዘለኽዎ ሽግር ዘውጽኣኒ እንተ ዝረክብ” “ክድሕንሲ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ” ዚብል እዩ።
እቲ ኣብ ከተማ ፊሊጲ ንሃዋርያ ጳውሎስን ንሲላስን ዚሕሉ ዝነበረ ሓላው እሱራት እውን ነዚ ሕቶ እዚ እዩ ሓቲቱ። “… ምእንቲ ክድሕንሲ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ በሎም።” ግሃ.16፡30
ሃዋርያ ጳውሎስን ሲላስን ድማ “ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም በልዎ” ንሱ ድማ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ኣሚኑ ተጠምቀ” ግሃ.16፡31,34 ይብለና። ስለዚ ሓደ ሰብ ንክድሕንሲ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ ኢሉ ምስ ሓተተ እዩ ንህይወቱ ዚኾኑ መልሲ ዚረክብ። ብክርስቶስ ምድሓን እቲ ቀንድን መመዛዝንቲ ዘይብሉን፣ ዘልኣለማዊ ህይወት ብዘይ ብእኡ ዘይርከብ ጉዳይን ድኣ ይዅን እምበር ብክርስቶስ ምስ ኣመንካ’ውን ቀጺሉ ኪሕተት ዚግብኦ ሕቶ ኣሎ። ንሱ ከኣ “ብክርስቶስሲ ኣሚነ ድሒነ ኣለኹ፡ ካብ’ዚ ንደሓርከ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ?” ዚብል እዩ።
ሳውል ዚበሃል ሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ንኣምላኽ ብግብሩ (ብሃይማኖቱ) ከሐጕሶ ኢሉ ብዙሕ ዝጸዓረ እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ካብ የሩሳሌም ናብ ደማስቆ እናተጓዕዘ ከሎ ብዘይ ሓሰቦ መገዲ ክርስቶስ ተገልጸሉ፣ ሓጢኣተኛ ምዃኑን ጌጋ መገዲ ይጕዓዝ ከም ዘሎን ድማ ተረድአ። እግዚኣብሄር ስለ ዝራሕርሓሉ ብዝገርም መገዲ ካብ ሓጢኣቱ ደሓነን ተለወጠን፡ ካብኡ ንደሓር ጳውሎስ ተባሂሉ ኣብ ቅድሚ ህዝብታትን ነገስታትን፡ ሹማምንትን ስለ ወንጌል ደው ዚብል ተባዕን ህርኩትን ሃዋርያ ኰነ።
እምበኣርከስ ንስኻ ድማ ከምኡ እግዚኣብሄር ኪልውጠካን ንኽብሩ ኪጥቀመልካን ይኽእል እዩ’ሞ ኣብ ቅድሚኡ ብትሕትና ምጻእ።
ጐይታ የሱስሲ ተቐቢለ ካብኡ ንደሓርከ?
ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትካ ምስ ተቐበልካ፡ ክትስዕቦም ዘለካ መገድታት እዞም ዚስዕቡ እዮም እሞ ኣቕልበሎም። ርግጽ እዩ እዞም ትሽዓተ ተዘርዚሮም ዘለዉ ጠቐምቲ መምርሒታት፡ ከም ሕጊ ጌርካ ኪውሰዱ ኣይግባእን፣ ግና ንሓደ ከም ብሓድሽ ዝተወልደ ሰብ በቲ ቅኑዕ መገዲ ንኪዓቢ ዚሕግዙ፡ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ዝተጠቕሙሎም ዝተፈተኑ ነጥብታት እዮም፣ ንስኻ’ውን ክትጥቀመሎም ንመኽረካ። በዚ ነገር’ዚ እግዚብሄር ኪባርኸካ ድማ ጸሎትና እዩ።
ቀዳማይ
ብምድሓንካ ርግጸኛ ኵን
ሃዋርያ ጳውሎስ ብየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣመነ፡ ሰብ ከመይ ገይሩ ኪድሕን ከም ዚኽእል ካብቲ ንሱ ዝፈለጦን ዝተሞከሮን ንኻልኦት መሃረ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥልቂ ብምጽናዕ፡ ከምኡ’ውን ንሱ ዝጠዓሞን ዝተኻፈሎን ናይ ህይወቱ ልምምድ ከም ኣብነት ብምቕራብ፡ ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ ምስ ኣምላኽ ተዓሪቑ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ከም ዚጸድቕ፡ ጽድቂ ድማ ብእምነት ጥራይ እምበር ብግብሪ ወይ ሕጊ ብምፍጻም ከም ዘይኮነ ብግልጺ መሃረ።
ሰብ ኪድሕን ዚኽእል ንየሱስ ክርስቶስ ጐይትኡን ምድሓኒ ህይወቱን ገይሩ ብእምነት እንተ ተቐበለ ጥራይ እዩ፡ ኣባል ናይ ሓደ ቤተ ክርስትያን ብምዃን ወይ ብዙሕ ጽቡቕ ተግባራት ብምፍጻም ኣይኰነን። ጐይታ የሱስ ክርስቶስ እቲ ኣብ የማኑ ተሰቒሉ ዝነበረ ዘራፊ እኳ እንተነበረ ግና “ዎ ጐይታይ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” ምስ በሎ፣ ጐይታ ድማ “እብለካ ኣለኹ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትህሉ ኢኻ” በሎ። ሉቃ.23፡42
እቲ ዘራፊ’ቲ ኣብ መስቀል ኰይኑ ኣብ ኣፍ ደገ ሞት እዩ ነይሩ፡ ንኪጥመቕ ወይ ኣባል ቤተ ክርስትያን ኪኸውን ዕድል ኣይነበሮን፣ ንኪኣምን ግና ዕድል ነይርዎ። እምነት ድማ ናይ ውልቂ እያ፡ ካልእ ሰብ ንዓኻ ኪኣምነልካ ኣይክእልን፣ ሽሕ’ኳ ፈታዊኻ ወይ ቤተ ሰብካ እንተዀነ ብናቱ እምነት ንስኻ ክትድሕን ዘይከኣል ነገር እዩ። ካህናት ወይ ፓስተራት’ውን ጸሎት እንተ ገበሩልካ ግና ባዕልኻ ናይ እምነት ስጉምቲ ክሳዕ ዘይወሰድካ እዋን ዚኸውን ነገር የለን።
እምበኣርከስ ህይወትካ ንክርስቶስ ከም ዝሃብካን ምድሓን ብእኡ ከም ዚረኸብካን እንድሕሪ ኣረጋጊጽካ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ከም ብሓድሽ ተወሊድካ ኣሎኻ ማለት እዩ። ጐይታ ድማ ብዚ ዚስዕብ ቃል ምሳኻ ኪዳን ይኣቱ፤ “እተን ኣባጊዐይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ከኣ አለልየን ንሳተን’ውን ይስዕባኒ። ኣነ ከኣ ህይወት ዘልኣለም እህበን፡ ንዘልኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይ’ውን ዚምንዝዐን የልቦን። እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኪምንዝዐን ዚኽእል የልቦን”። ዮሃ.10፡27-29
ክብሪ ንኣምላኽ ይዅን፡ እምበኣርከስ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ወሲድካዮ ኣሎኻ ማለት እዩ፣ ብምድሓንካ ክትሕጐስን ክትተኣማመንን ይግበኣካ እዩ።
“ከምቲ ንሱ ዝሃበና ትእዛዝ ጌርና ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድና’ውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ። እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፣ ንሱ’ውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ከም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ.3፡23-24
“ንስኻትኩክም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘልኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ክትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ።” 1ዮሃ.5፡13
ካልኣይ
ምድሓንካ ንኻልኦት ሰባት ኣካፍል (መስክር)
ብዛዕባ እቲ ብኣምላኽ ዝረኸብካዮ ምድሓን ንኻልኦት ክትነግሮም ከለኻ፡ መጀመርያ እምነትካ ይድልድል፡ ካልኣይ ድማ እቶም ዚሰምዑኻ ሰባት’ውን ከምቲ ናትካ ኣሚኖም ኪድሕኑ ይኽእሉን ይደልዩን እዮም። ከምዚ ንስኻ ርኺብካዮ ዘለኻ ደስታን ሰላምን ዘይረኸቡ ብዙሓት እዮም፡ ብዙሓት ድማ ብውሽጦም እቲ መገዲ ሰላም’ሲ መን እዩ ዘርእየና እዮም ዚብሉ፡ ስለዚ ኣብ ዓሚቝን ሰፊሕን ትንተና ቃል ኣምላኽ ከይኣቶኻ እቲ ዝረኸብካዮ ተሞክሮ ኣካፍል። ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ምድሓን ወይ ቃል ወንጌል ክትምስክረሎም ከሎኻ፡ ነቲ ቍም ነገር ገዲፎም ምክርኻርን ምክታዕን ኪመርጹ ይኽእሉ እዮም፡ ንስኻ ግና እታ ኣብ ህይወትካ ዝረኸብካያን ክሳዕ እታ ዝበጻሕካያን ብትዕግስቲ ኣካፍል እምበር ኣብ ክርክርን ክትዕን ኣይትእቶ።
“ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ከም ዝገበረልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ከተማ ነገረ።” ሉቃ.8፡39
“ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ካብ ጸልማት ናብ’ቲ ዘገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ክትነግሩ፣ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ክህነት ቅዱስ ህዝቢ፣ ጥሪት ኣምላኽ ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።” 1ጴጥ.2፡9
ኣስተውዕል! ንኻልኦት ክትምስክር ከሎኻ፡ ንሰባት ካብ ጥፍኣት ገሃነም ናብ ክቡር መንግስቲ ኣምላኽ ትመልስ ስለ ዘሎኻ ጐይታ ድማ ይሕግዘካ እዩ።
ሳልሳይ
መጽሓፍ ቅዱስካ እተንብበሉ ናይ በይንኻ ግዜ ይሃሉኻ
ብክርስቶስ ኣሚንካ እንተ ድሓንካ እኳ ግና ብእምነት ምዕባይ የድልየካ እዩ። ስለዚ ኣብ ነፍስ ወከፍ መዓልቲ ንግሆ ይዅን ምሸት ዝጠዓመካ ምስ ጐይታን ምስ ቃሉን እተሕልፎ ናይ በይንኻ ግዜ የድልየካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እግዚኣብሄር ንዓና ናይ ልቡ ዝተዛረበና ቃል ህይወት እዩ። ክትፈልጦምን ከተስተውዕሎምን ኣብ መዓልታዊ መንብሮኻ ክትለማመዶምን ክትገብሮምን ዚግብኣካ ናይ ህይወት መምርሒታት ስለ ዘለዉ፡ ነዞም መምርሒታ ንምርካብ ምስ እግዚኣብሄር ናይ በይንኻ ግዜ ምሕላፍ ከድልየካ እዩ። ገሊኦም ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦም ከሎኻ ንምርድኦም ዚኸብዱ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ከተንብቦም ከሎኻ ስምዒት ዘይህቡ ኪኾኑ ይኽእሉ፣ ይዅን እምበር እግዚኣብሄር ንዓኻ ዚዛረበካ መልእኽቲ ብእኡ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ህድእ ኢልካ ንመንፈስ ኣምላኽ ከኣ እናሓተትካ ኣንብብ፡ ብርግጽ ድማ እግዚኣብሄር ኪገልጸልካ እዩ።
ኣብ’ዚ ምስ ኣምላኽ እተሕልፎ ናይ ጸጥታ ግዜ እዞም ዚስዕቡ ኣርባዕተ ስጉምትታት ኪውሰዱ ኣለዎም፣
1. ብጸሎት ጀምር፡
እግዚኣብሄር ነቲ ግዜኻ ኪባርኸልካን መንፈሱ ክልእከልካን ርእስኻ ኣሕሊፍካ ሃብ። ምናልባሽ ኣብ ልብኻ ሕርኽርኽ ዚብለካ ናይ ሓጢኣት ነገር እንተ ተገንዘብካ ቀልጢፍካ ንስሓ እቶ፡ ምሕረት ከኣ
ሕተት። እግዚብሄር ብምሕረት ሃብታም ኣምላኽ እዩ።
2. ዝተወሰነ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ኣንብብ፡ ሓደ ምዕራፍ ወይ ክልተ ምዕራፍ ኪኸውን ይኽእል። ንመጀመርያኻ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ እንተ ኣሊኻ፡ ካብ ሓድሽ ኪዳን ጀምር። ብዙሓት ሰባት ብወንጌል ዮሃንስ ምጅማር ዝበለጸ ከም ዝኾነ ይኣምኑ። ካብ መዝሙር ዳዊት’ውን ገለ ምዕራፋት ምንባብ ንምጽንናዕ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።
3. ኣብ’ቲ ዘንበብካዮ ቃል ኣሰላስልን ኣስተንትንን። ብሓቂዶ እንታይ ከም ዚበለ ተረዲእካዮ ኢኻ፡
ንርእስኻ ሕተት። ኵሉ ዘንበብካዮ ዘበለ እንተ ዘይተረዳኣካ እኳ እተን ዝተርድኣኻ ቃላት ግና ኣብ
ህይወትካ ክትፍጽመን ጽዓር። ኣምላኽ ድማ ይሕግዘካ እዩ።
ዘይተረድኣካ ቃላት ኰነ ሓሳባት ኣብ ጥራዝካ ጽሓፎ፡ ካልእ ግዜ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ክርስትያናት ተራኺብካ ሕቶኻ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ባዕልኻ ሓገዝቲ መጻሕፍቲ
ቀሪብካ ክትመራመር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝኾነ ይዅን ግዜ ግና ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ልዕሊ
ኵሉ መምህር ስለ ዝኾነ ኪምህረካ ዘወትር ናብኡ ጸሊ።
4. እቲ ናይ ጸጥታ ግዜኻ ክትውድእ ከለኻ ንእግዚብሄር ስለ’ቲ ዝሃበካ ግዜን በረኸትን ንቓሉ
ኪገልጸልካ ስለ ዝፈተወን ኣመስግኖ።
ኣስተውዕል! ብዙሓት ነዚ ምስ እግዚብሄር ዚርከብ ናይ ጸጥታ ግዜ ብሓጐስ እዮም ዚጅምርዎ፡ ድሓር ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ሸለል እናበሉዎ ይኸዱ’ሞ ይሓድግዎ። ንስኻ ግና ከምኡ ኣይትዅን ጸኒዕካ ክትቅጽሎ ጽዓር። ዝያዳ ግዜ ምስ ኣምላኽ ብዘሕለፍካ መጠን፡ መንፈሳዊ ሓይሊ እናደረብካን ብምስትውዓል እናተመላእካን ኢኻ ትኸይድ። እግዚኣብሄር ብእኻ ንኪጥቀም ድማ ህይወትካ ድሉው እናኾነ ይኸይድ።
ራብዓይ
ብጸሎት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተዘራረብ
ምስ እግዚኣብሄር ምሕባር ማለት ምስኡ ኣጸቢቕካ ምፍላጥ፡ ዓርኪ/ፈታዊ ምዃን ምስኡ ከኣ ዘወትር ምዝርራብ ማለት እዩ። ጸሎት ብሓጺሩ ምስ ኣምላኽ ምዝርራብ ማለት እዩ። እግዚኣብሄር ምስ ደቁ ግልጺ ዝኾነን፡ እሙንን ናይ ግዜ ውሱንነት ዘይብሉን ምሳኻ ኪዘራረብ ዚፈቱን ዚደሊን ኣምላኽ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣንቢብና፡ ከነሰላስሎን ከነስተንትኖን ከሎና ንጸሎት ኣዝዩ ምቹእ ይኾነልና።
ኣብ መዝሙር ዳዊት 55፡17 “ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቝዝም እህህ’ውን እብል ኣለኹ። ንሱ ከኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።” ዚብል ቃል ንረክብ። ርግጽ እዩ ዚሰማማዓካ ናይ ጸሎት ግዜ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ይዅን’ምበር ሓደ ፍሉጥ ናይ ጸሎት ግዜ ምምዳብ፡ ከም ልምዲ’ውን ኪውሰድ ስለ ዚግባእ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ግዜ ጸሎት ንእግዚኣብሄር ስለ’ቲ ዚገበረልካ ከተመስግና፡ ከም እተፍቅሮን እትግዝኦን ክትገልጸሉ፡ ጕድለት ወይ ሓጢኣት እንተጌርካ’ውን ብንስሓ እትቐርበሉ፣ ዘድልየካ’ውን ክትሓተሉ ዘኽእለካ ግሩም ዝኾነ ግዜ እዩ። ጸሎት ምስ ኣምላኽካ እትዘራረበሉ ናይ ሕብረት ግዜ ድኣ’ምበር ስርዓትን ሕግን ንክትፍጽም እትገብሮ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ልቢ ዚምርምር ኣምላኽ ስለ ዝኾነ እቲ ናይ ውሽጥኻ ሃቐና እዩ ዚርኢ። ጸሎት ክትጽሊ ከሎኻ በይንኻ ከም ዘይኰንካ ተረዳእ፡ መንፈስ ቅዱስ ዘወትር ምሳኻ እዩ። ሮሜ 8፡26
ከም ዝደኸምካ ወይ ዝተሰዓርካ ኰይኑ እንተ ተሰምዓካ እግዚኣብሄር ይቕረ ኪብለካን ከበርትዓካን ምሳኻ ኣሎ። 1ዮሃ.2፡1 ጸሎትካ ብኣግኡ ዘይተመለሰ ኰይኑ እንተ ተምዓካ እግዚኣብሄር ንዓኻ እቲ ዚሓይሽ ስለ ዚፈልጥ፡ ብምጽባይን ብእምነትን ከኣ ርእስኻ ከተግዝእ ፍቓዱ ከኣ ከተለሊ ስለ ዝደሊ እዩ እምበር ንሱስ መጀመርያ ክትጽሊ ከሎኻ እዩ ዚሰምዓካ። እግዚኣብሄር ዚጽልዩ ሰባት ይፈቱን ይደሊን፡ ሰይጣን ግና ዚጽልዩ ሰባት ይጸልእ እዩ’ሞ ኣብ ጸሎትካ እሙን ኵን፡ ስጋውን መንፈሳውን በረኸታት ድማ ክትጐናጸፍ ኢኻ።
ሓሙሻይ
ክርስትያን ዝኾኑ ኣዕሩኽ ወይ መሓዙት ይሃልዉኻ
ክርስትያን ምስ ኰንካ፡ ከማኻ ዝእምነቱ ዓርኪ/መሓዛ ከድልየካ እዩ፣ ከመይ ሓሳብካ እተካፍሎ፣ ሕቶታት እትሓቶ፣ እተዋግዖ፣ ደገፍ እትሓቶ፣ ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ዘርእየካን እተርእዮን ጽቡቕ ዚመኽረካ፣ እትድግፎን ዚድግፈካን ስለ ዝኾነ እዩ። ብሓቂ ድማ ከምዚ ዝኣመሰል ሰብ እግዚኣብሄር ከዳልወልካ ክትጽሊ ይግባእ።
ምሳ.17፡17 “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ”
ምሳ.18፡24 “ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ ግናኸ ካብ ሓው እቲ ጥብቂ ዝኾነ ፈታዊ ኣሎ”።
ክርስትያን ዝዀነ ዓርኪ/መሓዛ ኣብ ግዜ ሓጐስካ ይሕጐስ፡ ኣብ ግዜ ሽግርካ ከኣ ምሳኻ ኰይኑ ብቐረባ ብጸሎትን ብተግባርን ዚድግፈካ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። በይንኻ ንዅሉ ኣብ ህይወት ዚገጥም ፈተና ክትጾሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ይዅን’ምበር ነቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኽ ወይ መሓዙት ጥንጥን ኣቢልካ ግደፎም ማለት ኣይኰነን። ከም ቀደምካ ክትፈትዎም ፍቕሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከተካፍሎምን ይግባእ። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ናብ ጐይታ ስለ ዝመጹ ነዚ ከም መሳርሒ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ክርስትያን ዓርኪ/መሓዛ መጽሓፍ ቅዱስ ክተጽንዕን ንክርስቶስ ብቓሉ ክትፈልጦን ይሕግዝ፡ ከምኡ’ውን ናብ ቤት ኣምላኽ ዘወትር ክትመላለስ የተባብዕ እዩ እሞ ስለዚ ግሩም ህያብ እናተሓጐስካ ተጠቐመሉ።
ብዛዕባ ሩትን ናእሚን እዚ ዚስዕብ ተጻሒፉ ኣሎ፣
መጽሓፍ ሩት 1፡16-17 “ሩት ግና፡ ሓዲገኪ ካባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ፡ ናብ እትኸድዮ እኸይድ፡ ኣብ እትሓድርዮ ከኣ እሓድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር ንኣይን ንዓኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዩናስ እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ ከምዚ ከኣ ይወስኸኒ በለት”።
ሻድሻይ
ኣብ ሓደ ከም ቃል ኣምላኽ ዝቖመ ቤተ ክርስትያን ተመላለስ፤
ትምህርቲ ድሕነት ተመሃር፤
ማይ ጥምቀት ተጠሚቕካ ድማ ኣባል ኵን።
ሓደ ከም ቃል እግዚኣብሄር ዝቖመ ቤተ ክርስትያን ደሊኻ ምስ ረኸብካ ከይደንጔኻ ክትገብሮ ዚግብኣካ ትምህርቲ ድሕነት ምውሳድ እዩ። ኵለን ቤተ ክርስትያናት እዚ መስርሕ’ዚ ስለ ዘለወን ቍሩብነትካ እንተ ድኣ ገሊጽካ ብፍታው ኪምህራኻ ይኽእላ እየን። እዚ ትምህርቲ’ዚ ንጥምቀትን ንኣባልነትን ንኣገልግሎትን የዳልወካ።
ጥምቀት ማይ ክትጥመቕ ዘድልየካ ንቓል ኣምላኽ ክትእዘዝን ንጐይታ ብሞቱን ብትንሳኤኡን ክትሓብሮ ስለ ዘድልየካ እዩ እምበር ምድሓንሲ ብእምነት ረኺብካዮ ኣሎኻ። ሮሜ 6፡1-14
ማይ ጥምቀት ክንጥመቕ ከሎና ንክርስቶስ ብሞቱ ኣብ ማይ ብምጥላቕ (ብምቕባር) ክንሓብሮ ከሎና፡ ካብ ሞት ከም ዝተንስኤ ድማ ካብ ማይ ምውጻእና፡ ነቲ ኣረጊት ሰብና ናብኡ ገዲፍና ብሓዳስ ህይወት ምስ ክርስቶስ ክንመላለስ ምፍቃድና ዘመልክት ናይ ምእዛዝ መስርሕ እዩ። ሮሜ 6፡4 ከምኡ’ውን ክሳዕ ክንደየናይ ነቲ ከንቱ መገድናን ኣረጊት ሰብናን ከም ዝጸላእና፣ ለውጢ ንምግባር ቍርጺ ውሳኔ ከም ዝወሰድናን ንድሕሪት ከም ዘይንምለስን ዘርኢ ተባዕ ስጉምቲ እዩ።
ንክርስቶስ ብጥምቀት ምስዓብ ማለት ከምቲ ንሱ ዚገበሮ ምግባር ናይ ሓድሽ ህይወት ከኣ ምልክት እዩ። ማቴ.3፡16-17 1ቆረ.6፡19-20
ድሕሪ ጥምቀት ዚመጽእ ናይ ኣባልነት መስርሕ እዩ። ሓደ ክርስትያን ኣማኒ ስለ ምንታይ ኣባል እታ ዝመላለሰላ ዘሎ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ኣባል ኪኸውን የድልዮ ንዚብል ሕቶ፡ ግዜኡን ፍልጠቱን ሞይኡን ገንዘቡን ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንምስፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ’ዚ ምድርን ከውዕሎ ምስ ካልኦት ቅዱሳን ድማ ተገጣጢሙ ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ብፍቕሪ መታን ኪዓቢ እዩ። ምስቶም ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሕብረትን ብውህደትን ኣብ’ቲ ኣካል ክርስቶስ ዝገጠመ ይኸውን። ብኣገልግሎቱ ካልኦት ይርብሑ፣ ንሱ ድማ ብኣገልግሎት ካልኦት ብዝያዳ ከኣ በቶም መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ብስርዓት ቃል እግዚኣብሄር ንኪምራሕ ርእሱ ይውፊ። ስለዚ ንስኻ ድማ ብህይወት ካልኦት ክትባረኽ፡ ብህይወትካ ድማ ካልኦት ኪባረኹ እንተ ዀይኖም እዚ ናይ ኣባልነት ውሳኔ የድልየካ።
እታ እትሕወሳ ቤተ ክርስትያን እንተ ወሓደ ብስልጣን ቃል ኣምላኽ እትምራሕ፣ ንዝጠፍኡ ሰባት እትደሊን እትመልስን፣ ንኣባላታ ብፍቕርን ብስኒትን እትጓሲ፣ ንምጽኣት ክርስቶስ እተዳሉን ኣምልኾ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር እትቕርብ ክትከውን ይግብኣ። የሱስ ክርስቶስ ከም ኣምላኽን ጐይታን ዚኸብረላ፡ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እትኣምን ክትከውን ይግብኣ።
ኣባል ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ምስ እትኸውን ምስ ካልኦት ቅዱሳን ኰንካ ብርሃንካ ኪበርህ፡ ክርስቶሳዊ ፍቕሪ ክትህብን ክትቅበልን፡ ከምኡ’ውን ብዕሽርካን መባእካን እሙን ክትከውን ጥጡሕ ባይታ ይዳለወልካ። መንፈሳዊ ሓገዝ ኣብ እትደልየሉ፣ ኣብ እትደኽመሉ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጐድንኻ ደው ስለ እትብል ንመንፈሳዊ ህይወትካ ኣዝዩ ኣድላዪ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።
ኣብ ግብረ ሃዋርያት እዚ ጽሑፍ እዚ ነንብብ፡ “እቶም ሽዑ ዘረብኡ ባህ ኢሉዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ። ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቝራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።” ግሃ.2፡41-42
ሻብዓይ
ምሃብ ተለማመድ
ሓደሽቲ ኣመንቲ ካብ ዝለማመድዎ ሓደ ናይ በረኸት መገዲ ምሃብ እዩ። ምሃብ ኪበሃል ከሎ ቅድም ጉልበትካን ግዜኻን ወይ ህይወትካ ብምሉኡ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ከተውዕሎ፡ ከምኡ ድማ ንብረትካ (ገንዘብካ) ብምሃብ ንኣምላኽ ከተኽብሮ ከሎኻ ማለት እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሓደ ወዱ ንዓኻ ብምሃቡ ከመይ ከም ዘፍቀረካ ትርዳእ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ካብ’ቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ምድራዊ በረኸት ንእግዚኣብሄር ከተኽብሮ ግቡእ እዩ። ዮሃ.3፡16 ምሃብ ኪበሃል ከሎ ኵሉ ዘድልየካ ምስ ገበርካ ካብ’ቲ ተረፍ ዘይኮነስ፡ እቲ ንቤት እግዚኣብሄር ኪወሃብ ዚግብኦ ቅድሚ ኵሉ ወጻኢታት ኪስራዕ ከም ዘለዎ እዩ፡ እዚ ማለት እናተጨነቕካን እናተሸገርካን እትገብሮ ዘይኮነስ ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ ስለ ዚፈቱ ደስ እናበለካ ብመስዋእትነት ክትሃብ ከሎኻ ማለት እዩ። 1ቆረ.16፡1-2 ማር.12፡43-44 ስለምንታይ ምሃብ ኣድለየ ንዚብል ሕቶ፡ መጀመርያ ካብ’ቲ ዘሎና ክንህብ ዝኣዘዘ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ፤ ቀጺሉ ድማ እቲ እንህቦ ንብረት ተኣኻኺቡ ኣመንቲ ዘምልኹሉ ቤተ ክርስትያን ንምቍቛምን ምክያድን፣ ወንጌል ንምስባኽ፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ንምድጋፍ፡ ድኹማት ንምሕጋዝን ይጠቅም።
ኣብታ እተምልኸላን ኣባል ዝዀንካላን ቤተ ክርስትያን ንእግዚኣብሄር እተምልኸሉ መገዲ ሓደ ብምሃብ እዩ፡ ከመይ ነቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ምስጋና እግዚኣብሄር ብምሃብ ድማ ትገልጾ ስለ ዝዀንካ እዩ። ምሃብ ብዝተፈላለዩ መገድታት እዩ ዚግለጽ፣ እቲ ብስሩዕን ብዘይ ምቍራጽን ዚወሃብ (ዕሽር) ከም ፍታውካ ዚወሃብ መባእ፡ ከምኡ’ውን መብጽዓ እዮም። ከምኡ’ውን ኣምላኽ እንተ ኣተሓሳሲቡካ ወይ ኣድላዪ ኰይኑ እንተ ተሰምዓካ፣ ዓቕምኻ ከኣ እንተ ፈቐዶ ንዝተሸገሩ ወገናት ክትረድእ ትኽእል ኢኻ።
እግዚኣብሄር ከምዚ ዝበለ ምሃብ ይኸብረሉ እዩ’ሞ በቲ ዝባረኸካ በረኸት ኣኽብሮ።
ሻሙናይ
ጥቕስታት ብቓልካ ኣጽንዕ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ኣውጺእካ ማለት ካብቲ ዘንበብካዮ ብቓልካ ምጽናዕ ግዴታ እኳ እንተ ዘይኰነ ግና ኣዝዩ ጠቓሚ መንፈሳዊ ልማድ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ብቓልካ ምጽናዕ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ምሃብን ብእኡ ክትምራሕን ምፍቃድ የመልክት። መዝ.119፡ 105 “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ድማ ብርሃን እዩ” ይብል።
ጥቕስታት ብቓልካ ምጽናዕ፡ ንጸሎት፡ ንእምነት፡ ንምርሒት ከምኡ’ውን ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልብኻ ንምስዋር ይጠቅም። ስለዚ ንስኻ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትካ ቀልጢፍካ መታን ክትዓቢ ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣውጺእካ ብቓልካ ኣጽንዕ፡ ብእኡ ከኣ ተመራሕ። መዝ.119፡97
እዚ ምስ እትገብር፡ ሓጢኣት ብቐሊሉ ከጥቅዓካ ኣይክእልን እዩ ከመይ መከላኸሊ ስለ ዘሎካ። መዝ.119፡11
ንጐይታ የሱስ ዘክሮ፡ ዲያብሎስ ኣብ በረኻ ኪፍትኖ ከሎ፡ ካብ ውሽጡ ጥቕስታት እናኣውጽአ ተዋጊኡ ስዒርዎ። ማቴ.3፡ ንስኻ ድማ ንጸላኢ እትስዕረሉ መገዲ ንቓል እግዚኣብሄር ኣብ ልብኻ ብምስዋርን ብእኡ ብምምልላስን እዩ። እግዚኣብሄር ኪባርኸካ ከሎ ድማ ክትርኢን ክትሕጐስን ኢኻ።
ጐይታ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ምልኣት ቃል ኪህልዎ ከም ዘድልዩ ዝበሎ ቃል ኣብ ማቴ.11፡52 ነንብብ። “ንሱ ከኣ (የሱስ)፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ኵሉ ጸሓፊ፣ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ በዓል ቤት ይመስል በሎም።”
ታሽዓይ
ኣብ ትሕቲኡ ኰንካ እትመሃር፡ ሓደ እሙንን ብሱልን ሰብ ይሃሉኻ
ንእግዚኣብሄርን ንቤቱን ዘሎካ ተወፋይነት እናወሰኸ ምስ ዚኸይድ ዚስመዓካ ሓላፍነት’ውን እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። ብትኽክል መገዲ ክትዓቢ እንተ ዀይኑ ድማ ዚምዕደካ፡ ክትደክም ከሎኻ ዘበራትዓካ፡ ብጸሎት ዚድግፈካ ምኽሪ’ውን ዚልግሰልካ እሙን ሰብ የድልየካ እዩ።
ብህይወትካ፡ ብኣገልግሎትካ፡ ብኣነባብራኻ ተጸዋዒ ትኾነሉ ሰብ፡ ጸብጻብ’ውን እትህቦ ኪህልወካ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ዚገበሩ ሰባት ዕዉታት ኰይኖም እዮም ሓሊፎም። እያሱ ንሙሴ፣ ኤልሳእ ንኤልያስ፣ ዳዊት ንናታን፡ ሃዋርያት ንየሱስ፣ ማርቆስ ንጴጥሮስ፣ ጢሞቴዎስን ሲላስን ቲቶስን ንጳውሎስ ወዘተ እናሰምዑን እናተማዕዱን እዮም ኣብ ናይ ክብሪ ደረጃ ዚበጽሑ።
እቲ ተጸዋዒ ትኾነሉ እሙን ሰብ፡ ኣብ ህይወትካን ኣገልግሎትካን ከመይ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ራእይካ ትፍጽምዶ ኣለኻ፡ ናይ ጸሎትን ቃል ኣምላኽን ህይወትካ ከመይ ከም ዘሎ፡ ኪሓተካን ኪመኽረካን ፍቓደኛ እትኾነሉ ሰብ እዩ። ንሱ’ውን ስሌኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ዚቐውም፡ ምስጢርካ ዚሕሉን ንወቐሳ ኣሒሊፉ ዘይህብን ስለ ዝኾነ ተጊህካ ክትከታተሎ ይግባእ።
ኣስተውዕል! ንዅሉ ኣብ ህይወት ዘጋጥም መከራ ኮነ ሓጐስ በይንኻ ክትወጾ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ እግዚኣብሄር ኣድላይነት ናይ’ዚ ስለ ዚፈልጥ እሙናት ፈተውቲ የዳሉ እዩ።
ኣብ መጽሓፍ መክብብ 4፡9-10 “ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም እንተ ወደቑ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ ወይልኡ” ይብል። ስለዚ ንስኻ ድማ ዘበራትዓካ፡ እንተ ተጋጌኻ ዚመልሰካ፡ እንተ ወደቕካ ዘተንስኣካ ብጸሎትን ብምኽርን ዚሕግዘካ የድልየካ እዩ እሞ ኣምላኽ ናብቲ ቅኑዕን እሙንን ሰብ ኪመርሓካ ጸሊ፤ ነዚ ክቡር ዝኾነ ጥበብ ከኣ ተጠቐመሉ።
ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ኣዝዩ ይባርኽካ!!!