

መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉእ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን። ከምኡውን ስርዓትን መሰረትን ቤተክርስትያን ምጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ምዃኑ ንኣምን።
ማቴ 5፡17-18 መዝ. 119፡160 1ጢሞ. 3፡16-17 1ጴጥ. 1፡20-21
እግዚኣብሄር ዘልኣለማዊ ዘይውሰን ርእሱ ብሰለስተ ኣካል ማለት ብኣቦ፡ ብወዲ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝገልጽ ብሓደ ኣምላኽ ንኣምን።
ኢሳ 40፡28 ዘፍ 4፡5 ዘዳ 4፡5 መዝ 146፡6 ሚል 3፡6 ማቴ 28፡19-20 2ቆረ 13፡13
እግዚኣብሄር ኣቦ ኩሉ ዝኽእል፡ ኣብ ኩሉ ዝርከብ፡ ፈቃርን ርሕሩሕን ፈጣሪ ኹሉ ዓለም ምዃኑ ንኣምን።
ኢሳ 45፡18-19 ዮሃ 1፡18፣ 3፡16 ግብ3፡25-26
ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዘልኣለማውን ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃኑን ብመንፈስ ትጠኒሱ ካብ ድንግል ማርያም ምውላዱን፡ ፍጹም ሰብን ፍጹም እግዚኣብሄር ምዃኑን፡ ሓጥያት ከይተረኽቦ ንዓና ከድሕን ኣብ መስቀል ምሟቱን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ካብ ሞት ምትንስ ኡን ብኽብሪ ዓሪጉ ምእንታና ኩሉ ጊዜ ይልምን ብህላዉን ናይ ቤተክርስትያን ርእስን መስራትን ምዃኑን ብኽብሪ ካልኣይ ከም ዝምለሰን ንኣምን።
ዘፍ 3፡15 ኢሳ 55፡5-6 ማቴ 1፡20-21፣ 28፡6 ሉቃ 1፡35 ዮሃ 1፡1-14 ግብ 17፡30-31 2ቆረ 5፡17-19፡ 1ጢሞ 3፡16 እብ 7፡25፣ 9፡14፣ 13፡8 1ጴጥ 2፡22-24
መንፈስ ቅዱስ፡ ኣካል ዘለዎን፡ መለኮት ምዃኑን፡ ንዓለም ከኣ ብዛዕባ ሓጢኣትን ጽድቅን ዝረትዕ ምዃኑን፡ ኣብ ኣመንቲ ሓዲሩ ናብ ኩሉ ሓቂ ዝመርሕን ንኣገልግሎት ሓይልን ናይ ጸጋ ውህበታትን ከም ዝህብ ንኣምን።
ዘፍ 1፡2 ዮሃ 7፡37-39፣ 14፡16-17፣ 16፡8-13 ግብ 1፡8 1ቆረ 12፡4-11
ቅዱሳት መላእኽቲ፡ ንኣምላኽ ከምልኹን ፍቓዱ ክፍጽሙን ዝተፈጠሩ ህያዋን መናፍስትን ናይ ኣምላኽ ኣገልገልትን ምዃኖም ንኣምን፡
መዝ 103፡20 ሉቃ 16፡22 ራእ 5፡11-15 እብ 1፡14
ሰይጣንን ርኹሳት መናፍስትን ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ዝወደቑ መናፍስቲ ምዃኖምን ምንጪ ናይ ኩሉ ክፍኣትን ሓሶትን፣ ንሰብ ናብ ክፍኣት ዝመርሑን ልቢ ናይቶም ዘይኣምኑ ዘዐውሩን ኣብ መወዳእታ ከኣ ናብቲ ዝተዳለወሎም ቀላይ ሓዊ ከም ዝድርበዩን ንኣምን። የሱስ ክርስቶስ ንኣመንቲ ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ስልጣን ከምዝሃቦም ንኣምን።
ዘፍ 3፡1-6 ኢሳ 14፡12-17 ሉቃ 10፡17-19 ዮሃ 8፡44 2ቆረ 4፡4 ኤፌ 6፡11-12 1ዮሃ 3፡8 ያእ 4፡4
ሰብ ብኣርኣያ ስላሴ ማለት ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ብሰንኪ ሓጢኣት ካብ ክብሪ ኣምላኽ ከም ዝወደቐ ሳዕቤን ናይዚ ውድቀት እዚ ከኣ መንፈሳውን ስጋውን ሞት ምዃኑን ግናኸ ብናይ ጎይታና ይሱስ ክርስቶስ በጃ ምሕላፍ ድሕነትን ጽድቅን ናይ ዘልኣለም ህይወት ክም ዝረክብ ንኣምን።
ዘፍ 1፡26-27 ኤር 17፡9 ዮሃ 3፡16፣ 14፡6 ግብ 4፡12 ሮሜ 2፡23-26፣ 5፡18-21 1ጢሞ 2፡5-6 እብ 7፡25-26
ሰብ በቲ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ በጃ ምሕላፍ ብምእማንን፡ ሕድገት ሓጥያት ከምዝረክብን ዉሉድ ኣምላኽ ከምዝኸውንን ናይ ዘልኣለም ህይወት ከም ዝረክብን ንኣምን።
ዘፍ 2፡7 ዮሃ 1፡12-13 ዮሃ 3፡5-7፣ 3፡16 ግብ 10፡43 ሮሜ 3፡2፣ 10፡9-11 ኤፌ 2፡8-9
ኣመንቲ ካብ ናይ ዓለም ከንቱ ነገራትን ሓጥያትን ተፈልዮም ብጸጋ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ክነብሩ ከምዝግባእ ንኣምን።
ዮሃ 28፡15-19 ሮሜ 12፡1-12 2ቆረ 6፡14-20 ቲቶ 2፡11-14 1ጴጥ2፡9 1ዮሃ 2፡15-17
ኣመንቲ ከምቲ ተስፋ ቃሉ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝምልኡን፡ በዚ ከኣ መፈሳዊ ህይወቶም ክመ ዝህነጽን፡ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎትን ብስራት ቃሉ ንምምስካርን ሓይሊ ከም ዝረኽቡን ንኣምን።
ዮሃ 7፡37-39 ግብ 1፡8፣ 2፡3-4፣ 10፣45-46 1ቆረ 14፡4-5 ኤፌ 5፡18-19
ውህበት መንፈስ ቅዱስ፣ ብኣምላኽ ዝወሃብ ፍሉይ መለኮታዊ ክእለት ምዃኑን፡ ኣመንቲ ከኣ ንውህበት መንፈስ ቅዱስ ብምጥቃም ብቕዓት ዘለዎ ኣገልግሎት ከም ዝህቡን፡ በዚ ከኣ ማሕበር ኣምላኽ ከም ትሕነጽን ንኣምን።
1ቆረ 12፡4-11፣ 14፡12 1ቆረ 14፡26-33
በቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ በጃ ምሕላፍ ከም ዝተዋህበ፡ ቤተክርስትያን ኸኣ ሕሙማት መለኮታዊ ፈውሲ ንክረኽቡ ትጽሊ፡ ነቲ ናይ ምፍዋስ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ክጥቀምሉ ምትብባዕ ከም ዝግባእ ድማ ንኣምን።
ኢሳ 53፡4-5 1ቆረ 12፡9 ያእ 5፡14 1ጴጥ 2፡24
ዕርገት ኣመንቲ እቲ ዝተባረኸ ተስፋ ምዃኑን፡ ነቶም ብህይወት ዝጸንሑ ኣመንትን እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱ ከኣ ተንሲኦም ንጎይታ ኣብ ኣየር ከም ዝቕበሉን፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጎይታ ከምዝነብሩን ንኣምን። ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ከኣ ናይ ኣገልግሎቱ ጸብጻብ ንምሃብን ዓስቢ ንምቕባልን ኣብ ቅድሚ መንበር ክርስቶስ ከም ዝቐርብን ንኣምን።
ሮሜ 14፡10-12 1ቆረ 15፡51-57 2ቆረ 5፡8-10 ፊል 3፡20-21 4፡13-18 ራእ 3፡10
ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ብዓቢ ሓይልን ክብርን ግርማን ብደበና ሰማይ ካልኣይ ከምዝምለስ ንኣምን። እታ ናይ ፈተና ሰዓት ትውድኣሉን፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ዝሰዓረሉን፡ ሰይጣን ዝእሰረሉን፡ ናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ናይ ሽሕ ዓመት ንግስነት ዝጅመረሉን ጊዜ ምዃኑ ንኣምን።
ማቴ 24፡27 ሉቃ 17፡23-26 ግብ 1፡11 ራእ 17፡12-14፣ 20፡6
እቶም ብየሱስ ክርስቶስ ዘይኣመኑ ክከም ግብሮም ዝፍረድሉ ናይ መወዳእታ ከምዘሎ ንኣምን። ከምኡውን እቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ስሞም ዘይተረኽበ ናብቲ ቀላይ ሓዊ ከም ዝድርበይ ንኣምን።
ሮሜ 2፡6-8 ራእ 20፡11-15
እቶም ብጎይታ የሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ድሕነት ዝረኸቡን ውህበት ጽድቂ ዝተቐበሉን ኣብ መንግስተ ሰማያት ናይ ዘልኣለም ሕይወት ከም ዝወርሱን ክብሪ ኣምላኽ ከም ዝጎናጸፉን ንኣምን።
ማቴ 13፡43 ዮሃ 14፡3 2ጴጥ3፡13 ራእ 21፡1-5, 22-27