

ብርሃን ወንጌል ባፕቲስት ቤተክርስትያን ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ዳላስ፡ ቴክሳስ ስተይት ፡ ሕ. መ. ኣሜሪካ እትርከብ ናይ ኤርትራውያን ኣመንቲ ቤተክርስትያን እያ። ዕላማ ቤተክርስትያንና ወንጌል ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳላስ ንምብጻሕ እሞ ሓቢርና ድማ ነቲ ፈጣሪናን ኣምላኽናን ዝኾነ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ንምምላኽ እዩ።
ኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳላስ ኣብቲ ኣብ ቤተክርስትያንና ዝካየድ ኩሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ክትካፈሉ ደጊምና ብኽብሪ እንዳዓደምና ምሳና ሓቢርኩም ነቲ ሰሙናዊ ኣገልግሎትናን ካልእ መጻኢ መደባትናን ከከምዝጥዕመኩም ምሳና ሓቢርኩም ክትካፈሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣኣብ ዘለኹሞ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቡ ንዕድመኩም።
ኣብ ስራሕኩም፡ ትምህርትኹም፡ ሓዳርኩም፡ ኣብ ኩሉ መነባብሮኹም ዕዉታት ክትኮኑ እንዳተመነና ብሩኽ ዓመት 2010 ክኾነልና ንምነ።
ጸጋ ጎይታናን መድሓኒናን ኣምላኽናን የሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን።