

ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ፡
“ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኵሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ወንጌል ዮሃንስ 3፡16
ናይ ኣምላኽ መደብ፡
“ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስ ኪፈልጡ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” ወንጌል ዮሃንስ 17፡3
“ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።” ሮሜ 3፡23-24
“ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።” ሮሜ 5፡8
የሱስ ካብ ሞት ተንስኤ፡
“… ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ። ተቐብረ … ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ተንስኤ … ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ ድሕሪኡ … ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳብ ተራእየ።” 1ቆረ.15፡3-6
“ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ኵሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ወንጌል ዮሃንስ 1፡12
ንየሱስ ኣብ ልብና እንቕበሎ ብእምነት እዩ፡
“ሓደ እኳ ከይምካሕሲ ካብ ግብሪ ኣይኮነን እሞ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም እዚ ከኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኰነን።” ኤፌሶን 2፡8-9
ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ብእምነት ምስ ተቐበልናዮ፡ ካልኣይ ንውለድ።
“ብወዲ (ብየሱስ) ዚኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።” ወንጌል ዮሃንስ 3፡36