
pictures
ምስጋናን ውዳሴን ንእግዚኣብሄር ስለ ዕቤቱን መስተንክር ግብርታቱን ዘለኣለማዊ ፍቕሩን ምሕረቱን ብዚርድኣና ቋንቋን ብእንኽእሎ ተግባራትን ንስሙ ልዕል ብምባል ብምጭዳር፡ ብምምሳው፡ ብኣድናቖትን ፍቕርን ንዕኡ ዘሎና ኣኽብሮትን እንገልጸሉ መገዲ እዩ። ንኻልኦት ሰባት ዕቤቱን ለውሃቱን ብምንጋር’ውን ነመስግን ኢና። ድንቂ ኣብ ዝገበረልና ወይ መንነቱ ኣብ ዝተገልጸልና እዋን መግለጺ ስኢንና እንብሎ ይጠፍኣና እዩ።
ምስጋና ምስቲ ዕቤት ኣምላኽን ምስቲ ንኣና ዚገበሮ ድንቅን እዩ ዚኸይድ፡ ይኹን’ምበር ንሱ ጥራይ ኣይኮነን እግዚኣብሄር ኪምስገን ዘብቅዖ፡ እንታይ ድኣ ጽቡቕ ጌሩልና ኣይጌሩልና ተኣምራት ተፈጺሙ ኣይተፈጺሙ፡ ስምዒትና ደሪኹና ኣይደሪኹና እግዚኣብሄር ኩሉሳዕ ኪምስገን ብቑዕ እዩ።
ምስጋና ኩሉሳዕ ብታሕጓስ ፡ ብመዝሙር፡ ብጣቕዒት፡ ብእልልታ፡ ብሳዕስዒት፡ ብምጭዳር፡ ብመሳርሒ ሙዚቃን ዝኣመሰለ ብዚርአን ብዚስማዕን መገዲ ዚግለጽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስጋናና ወይ ውዳሴና ከነስምዕ ወይ ክንገልጽ ከምዘለና ይነግረና። መዝ.66፡8 “ኣቱም ኣህዛብ ነቲ ንነፍስና ብህይወት ዘንበረ ኣእጋርና ኼንደልህጻ’ውን ዘይፈቐደ ኣምላኽና ባርኽዎ፡ ድምጺ ውዳሴኡ ኣስምዑ።” ይብል።
ነመስግን ከምዘለና እግዚኣብሄር ኪፈልጥ ኣለዎ፡ ምስጋና ብዚስማዕ ወይ ብዚርአ ኪግለጽ ጽቡቕ እዩ። ኢሳ.40፡9
ምስጋና ንኣምላኽ እነቕርበሉ ብገዛእ ፍቓድናን ስምዒትናን እዩ፡ ግን ስምዒትና ይለዋወጥ እዩ። ከነመስግን ደስ ዚብለና ጊዜ ኣሎ፡ ደስ ዘይብለና ጊዜ ከኣ ኣሎ። ምስጋና ግን ኣብ’ቲ ዕቤቱን ዘለኣለማዊ ፍቕሩን ዝተመስረተ ስለዝኾነ፡ ንሱ ድማ ስለዘይልወጥ፡ ኩሉሳዕ ከነመስግኖ ጉቡእና እዩ። መዝ.105፡1
ሰባት ስምዒታውያን መታን ከይብሃሉ፡ ንእግዚኣብሄር ከም ድላዮም ገይሮም ከየመስግንዎ ይቝጠቡ እዮም፡ ግዳ ስምዒት ዘይብሉ ምስጋና ምዉት እዩ፡ ስምዒትና ንእግዚኣብሄር ምስ ዚእዘዝ ናብ ህላዌ መንፈሱ ከኣ ብቐሊሉ ክንኣቱ ንኽእል።
ሉቃ.1፡46-47
ከነመስግኖ ኣብ ዘይስምዓና እዋን፡ ኣብ ቅዱስ ስሙ ነተኩር። ስም እግዚኣብሄር እንታይ እዩ ንዓና፡ እናበልና ንሕሰብ ምስጋናና ድማ ኪፍልፍል እዩ።
መዝ.42፡5-6 መዝ.34፡3 መዝ.54፡6 ዘፍ.29፡35
ካብቲ ንእግዚኣብሄር ክንውድስ ወይ ከነመስግን ዚሕግዘና ንስሙ ብዝተፈላለየ ሸነኻቱ ብምዝካርን፡ ኣምላኽ ብዝተፋላለየ ስሙ እንዳተገለጸ ዝበሎን ዝፈጸሞን ንምርምርን ነስተንትንን እሞ ውዳሰና ይውሕዝ። ኩነታት ከኣ ኪሕዘና ኣይክእልን።
መዝ.54፡6
ልያ ነቲ ራብዓይ ጊዜ ዝወለደቶ ቆልዓ “ይሁዳ” ኢላ ጸዊዓቶ፡ ትርጉሙ ከኣ ምስጋና ማለት እዩ። ዘፍ.29፡35
እግዚኣብሄር ነዛ ስም ይሁዳ ሓለፋ ዚፈተዋ ይመስል፡ ከመይ ንይሁዳ ካብ ካልኦት ነገዳት እስራኤል ዝተፈልየ በረኸትን ዕድልን እዩ ሂብዎ። እቲ መሲሕ (ጐይታና የሱስ ክርስቶስ) ካብ ነገደ ይሁዳ እዩ ተወሊዱ። ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ተባሂሉ ከኣ ተጸዊዑ። ናይ እስራኤል ክፋል ሃገር ይሁዳ እዩ ዚበሃል ነይሩ፡ የሩሳሌም ኣብ ይሁዳ እያ፡ እታ ቤተ መቕደስ ካብ ይሁዳ ነይራ። ነገድ ይሁዳ ኣብቲ ኣቀማምጣ ደቂ እስራኤል ኣብ ዙርያ’ቲ መራኸቢ ድንኳን፡ ኣብ ማእከልን ቅድሚ’ቲ ድንኳንን ብሙዃን ኣብ ኣዝዩ መፍትሕ ዝኾነ ቦታ ተቐሚጦም ነይሮም።
እዚ ነገድ እዚ ናይ ኣመስገንቲ ነገድ ነይሩ።
ኣብ ድንኳን ኣመስገንቲዶ፡ ኣብ ድንኳን ኣጕረምረምቲ ትነብር? ኣበይ ትነብር?
ንኣመስገንቲ እግዚኣብሄር ብእኦም መታን ኪቕደስ ንዕኡ ይፈልዮም እዩ እሞ ግዴኻ ምስኦም ግበር።
መዝ.114፡2 “ይሁዳ መቕደሱ፡ እስራኤል ግዝኣቱ ኰነ።” መቕደስ ካብ ግዝኣት ኣዝዩ ይበልጽ፡ መንበሪ እግዚኣብሄር እዩ።
መዝ.76፡1 “ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ፍሉጥ እዩ፡ ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ።”
ሕጂ’ውን ናይ ይሁዳ ሓለፍ ዝበለ ከምዝኾነ ኣስተውዕል።
መዝ.108፡8 “...... ይሁዳ’ውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ።” ይብል። ዘካ.2፡12
ንምስጋና ዚምልከቱ ሓሳባት፡
- እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስለዝኾነ ብእኡ
ምምሳጥ 1ዜና.29፡10-12
- ስለዘገርም ባህርያቱን ግብርታቱን
ምምስጋን ኢሳ.25፡1
- ደግነቱን ብሉጽ ሙዃኑን ምውራይ
1ጴጥ.2፡9
- ንኣምላኽ ምብራኽን ምኽባርን ዳን.4፡34
- ንስሙ ምዕባይ መዝ.34፡3
- ንኣምላኽ ልዕል ምባል መዝ.99፡5
- ንዕኡ ምድናቕን ብእኡ ምግራምን
2ተሰ.1፡10
ስለምንታይ ኢና
ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ?
1. ከነመስግኖ ስለዝተኣዘዝና፡
እግዚኣብሄር ከነመስግኖ ኣይለመነናን፡
ትእዛዝ እዩ ኣዚዙና ከመይ ንሱ ንጉስ
ኩላ ምድሪ እዩ፡ ነገስታት ከኣ ይእዝዙ
እምበር ኣይልምኑን እዮም።
መዝ.149፡5-9 መዝ.150፡1 መዝ.100፡4
ከነመግኖ ከለና ግን መን’ዩ ተጠቃሚ፡
እግዚኣብሄር ድዩ ወይስ እቲ ዘመስግን
ዘሎ ሰብ? ተጠቃሚ እቲ ዘመስግን
ዘሎ ሰብ እዩ፡ ከመይ እግዚኣብሄር
ኣእላፋት ቅዱሳን ዘመስግንዎ ኣለውዎ፡
ኣመስጊንናዮ ኣየመስጊንናዮ ዕቤቱ
ኣይጎድልን እዩ፡ ንሕና ግና ከነመስግኖ፡
ክንውድሶ፡ ከነዕብዮ ከሎና ምስኡ
ንራኸብ፡ ኣብ ህላውነቱ ንኣቱ፡ ብጸጋ
ከኣ ንዓቢ።
2. ብምስጋናናን ማህሌትናን ልዕል
ስለዝብል፡ መዝ.22፡3
(O You who are enthroned upon
the praises of Israel!)
ብምስጋናና ኣዝዩ ስለ ዚሕጎስ፡ ብኡ
ይኽበብን ይጉልበብን።
ኢሳ.60፡18 “ደጌታትኪ ከኣ ምስጋና
ኢልኪ ክትሰምይየን ኢኺ”
መዝ.100፡4 ”ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና፡
ኣብ ኣጸዱ’ውን ብውዳሴ እተዉ።”
መዝ.87፡2 “እግዚኣብሄር ካብ ኩሉ
ማሕደራት ያእቆብሲ ንደጌታት ጽዮን
የፍቅር እዩ።” ደጌታት ጽዮን ናይ
ምስጋናን ውዳሴን ደጌታት እየን።
ኣብ ውዳሴና (ማህሌትና) ዙፋኑ
ይተክል፡ ኣዝዩ ይፈትዎ፡ ይጨንዎ፡
የሽትቶ።ካብ ፍቶትን ውሽጣዊ ድሌትን
ዝተላዕለ ስለ ዝኾነ እግዚኣብሄር ከኣ
ይሰምሮ።
3. ብምስጋና ሓይልን ዓወትን ስለዚርከብ፡
ነቲ ዚገጥመና ሽግርን መከራን ውግእን
ገዲፍና፡ ምስ እነመስግኖ ንሱ ከኣ
ሓላፍነት ወሲዱ ኣብ ክንዳና ይዋጋእ
እሞ ዓወት ይህበና።
መዝ.91፡9-10 2ዜና.20፡14-30
4. ንእግዚኣብሄር ንውድሶን፡ ነመስግኖን
ከመይ ምስጋንኡ ጽቡቕ ስለዝኾነ፡
(It is good to give thanks to the
Lord.) መዝ.92፡1-3 መዝ.135፡3
5. ምስጋና ስለዚግብኦ፡ መዝ.48፡1 ”ኣብ
ከተማ ኣምላኽና፡ ኣብታ ቅድስቲ ከረኑ፡
እግዚኣብሄር ዓብዪን ኣዝዩ ምስጉንን
እዩ።”
ራእ.4፡10-11 “... ንስኻ ክብርን
ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ
ኢኻ፡ እናበሉ ነቲ ንዘልኣለም ኣለም
ህያው ኮይኑ ዚነብር እናሰገዱ፡
ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን
ይድርብዩ ኣለዉ።” ራእ.5፡9-14
6. ከነመስግኖ ስለዝፈጠረና፡
ዕላማ ኣብዚ ምድሪ ምንባርና መታን
ከነመስግኖ እዩ። ምስጋና ንኣምላኽ
ኣብቲ ዕለታዊ መነባብሮና እንገብሮ
ተግባራት እቱው እዩ።
ኢሳ.43፡21 “ እቲ ንኣይ ዝደኮንኩዎ
ህዝቢ ምስጋናይ ከዘንቱ እዩ።”
ኤር.13፡11 1ጴጥ.2፡9
መኣስ ኢና እነመስግን?
1. ክንሕጎስ ከለና፡ ያእ.5፡13
2. ደስ ዘይብለና፡ ከነመስግነሉ እንኽእል ምኽንያት ዘይብልና፡ ቀጨውጨው እንዳበለና፡ መዝ.42፡2-5
3. ኩሉሳዕ ኩነታት ብዘየገድስ፡ እቲ ዝተመርጸ ጊዜ ንግሆ ተንሲእካ እኳ እንተኾነ፡ ግዳ ከምዚጥዕመካ
ኪግበር ይከኣል እዩ፡ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ኪቋረጽ የብሉን እዩ። ኣብ 1ዜና.9፡38 ከም እንርእዮ እቶም ሌዋውያን 24 ሰዓት ብሰለስተ እብረ (shift) እናተቐያየሩ እዮም ዘመስግንዎ ነይሮም። እብ.13፡15 እንባ.3፡17-18 ግሃ.16፡25 ተመልከት።
4. ከነመስግነሉ ዘሎና እዋን፡ ሕጂ እዩ። ብመዓልቲ ሰንበት ወይ ብጊዜ ጸሎት፡ ወይ ምቹእ ጊዜ ተጸቢኻ ኣይኮነን። መዝ.34፡1 “ንእግዚኣብሄር ኩሉ ጊዜ እባርኾ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ።”
ሰባት ብስምዒት ጥራይ ኢኻ ተመስግን እንተበሉኻ፡ ኣይትሰንብድ፡ ብዘይ ስምዒት ዚቐርብ ውዳሰ ከም ነፍሲ ዘይብሉ ስጋ ምዉት እዩ። ውዳሰ ካብ ስምዒት ንላዕሊ እዩ፡ ኣካላትካ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ኢልካ እትዕልመሉ ጽቡቕ ልምዲ እዩ።
ነፍሳዊ ውዳሰ ኣሎ፡ መንፈሳዊ ውዳሰ ከኣ ኣሎ፡ ክልቲኡ ከኣ ብምርዳእ እንተጌርካዮ ጽቡቕ እዩ። ሉቃ.1፡46-47 “ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ ባህ ይብሎ።” ይብል።
ኣበይ ኢና እነመስግን?
ንእግዚኣብሄር ኩሉሳዕ እነመስግኖ እንተዀንና፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ከኣ ኢና እነመስግኖ ማለት እዩ፡ ኣብ መደቀሲና ከይተረፈ። መዝ.149፡5 መዝ.113፡3 “ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን።” እዚ ጥቕሲ’ዚ ከምዝበሎ፡ ምስጋና እግዚኣብሄር ንምሉእ
ጽፍሒ መሬት ይምልከት፡ ደረት የብሉን።
ይኹን’ምበር እቲ ዝበለጸን እግዚኣብሄር ዓቢ ኣቓልቦ ዚህቦ ቦታን ኣብ ጉባኤ ቅዱሳን እዩ፡ ከመይ ዝተፈላለዩ ሰባት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ጌሮም ዕቤቱን መስተንክር ስርሑን ብሓደ ድምጺ ተዋሃሂዶም ስለ ዘመስግንዎ።
መዝ.22፡22,25 መዝ.26፡8,12 መዝ.35፡18
“ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ።”
እቲ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ዚተክኽ ዕጣን፡ ካብ ዝተፈላለየ ዓይነት ጨናታትን ቅብእታትን ዝተገብረ እዩ። እዚ ምሳሌኣዊ ኮይኑ እቲ እነዕርጎ ምስጋና ካብ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ኣቕሑት ሙዃኑ እዩ ዚገልጽ። ዘጸ.30፡34-37
ከምኡ ከኣ ቅዱሳን በበቲ ዝተዋህቦም ክእለትን ድምጽን ተዋሃሂዶም ንኣምላኽ ከመስግኑ ከለዉ ከምቲ ዕጣን ኮይኑ ኣብ ማሕደሩ ይኣቱ።
እቲ ካልኣይ ዕቤቱን ምስጋንኡን ክብሩ እንገልጸሉ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝብታትን ዓሌታትን ዘይኣመንትን ንህያው ስሙ ብምዝንታውን ተኣምራቱ ብምንጋርን እዩ። መዝሙር ዳዊት ዝበዝሐ ክፋሉ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ልዕል ከነብሎ እዩ ዚነግረና። መዝ.40፡3 “ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረ፡ ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፡ ናብ እግዚኣብሄር’ውን ኪውከሉ እዮም።”
መዝ.96፡3 መዝ.67
ከመይ ጌርና ኢና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ?
ፍሉይ ኣገባብ ኣሎ ድዩ?
እግዚኣብሄር ዓቢን ንጉስን ስለዝኾነ፡ ብመገድና ኣይኮናን እነመስግኖ፡ በቲ ንሱ ባህ ዚብሎ፡ ብመገዱ ኢና እነመስግኖ። ንኣብነት፡
ብምልዓል ኣእዳው፡ ምልዓል ኣእዳው ኣዝዩ ምስጢር ዝመልኦን፡ ቅዱሳን ኣብ ናይ ምስጋናን ኣምላኾን ልምምዶም ከዘውትርዎ ዘለዎም ተግባር እዩ።
ነህ.8፡6 መዝ.63፡4 መዝ.141፡2 1ጢሞ.2፡8
መዝ.134፡2 “ኣእዳውኩም ናብ መቕደሱ ኣልዕሉ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ባርኽዎ።”
በዚ ዚስዕብ ድማ ኪግለጽ ይከኣል፡
1. እግዚኣብሄር ንሙሴ ካብቲ ታቦት
ምስክር ኪዛረቦ ከሎ፡ እቲ መኽደን
መተዓረቒ (Mercy Seat) ብኽናፍ
ኪሩቤል ተሸፊኑ፡ እቶም ኪሩቤል
ክንፍታቶም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ
ዘርጊሖሞ ነይሮም።
ዘሁ.7፡89 ኢሳ.6፡2
ንሕና ድማ ብተመሳሳሊ መገዲ ኢድና
ኣልዒልና ከነመስግን ወይ ክንጽሊ
ከለና፡ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ ማሕደሩ
ይምልሸልና ወይ ምሳና ኪራኸብ
ይመጽእ።
2. ወድና ወይ ጓልና ወይ ሓው ሓፍትና
ቆልዓ ናባና እናጎየየ ኣእዳዉ ዘርጊሑ
ይቕበለና’ሞ ባባ/ማማ ምስ በለ ሕቝፍ
ኣቢልና ሓፍ ነብሎ።
(Pick me up Daddy!) ኣእዳውና ምስ
እነልዕል እግዚኣብሄር ኪሓቝፈና ከም
እንደሊ ንገልጽ ኣለና ማለት እዩ።
3. ኣብ ናይ ጸሎት ወይ ምስጋና ህይወትና
ከም እነስተውዕሎ፡ ክንጽሊ ወይ
ከነመስግን ምስ እንጅምር ሓሳባትና
እናተኸፋፈለ ምእካብ ይኣብየና’ሞ ኣብ
ኣምላኽ ከነተኵር ንቃለስ። ኣእዳውና
ከነልዕል ከለና ግን ብቐሊል ኢና ናብ
ህላውነት ኣምላኽ ንኣቱ።
4. ኣእዳውና ምስ እነልዕል፡ ከም
ዝተማረኽና ንገልፅ ስለዘለና ሓላዊና፡
ሓይልና ደጀንና፡ ቀጽርና በይኑ
እግዚኣብሄር ሙኻኑ ንገልጽ።ዘካ.2፡4-5
5. ኣእዳውና ከነልዕል ከሎና እግዚኣብሄር
ንዝህበና ዘበለ ኩሉ ክንቅበል ድሉዋት
ከምዝኾንና ንገልጽ። ተጻዋታይ ኩዕሶ፡
ኩዕሶ ንምቝላብ ኩሉሳዕ ኣእዳዉ
ዝተዘርግሓ ኪኾና ኣለወን።
ብጣቕዒት ኣእዳው፡ መዝ.47፡1 “ኣቱም ኣህዛብ ኩሉኹም፡ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፡ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጎስ እልል በሉሉ።” ጣቕዒት ኣእዳው ቃል ኣምላኻውን ግቡእን እዩ፡ ሰውነትና ንምስጋና እግዚኣብሄር ከምዝሓበረ ከኣ ምልክት እዩ። ዘመናዊ ሙዚቃ ጣቕዒት ከምዘይድንፍዕ እኳ ገይርዎ እንተኾነ፡ ግን ብጣቕዒት ምምስጋን ሰናይ እዩ።” መዝ.98፡8 ኢሳ.55፡12
ብመሳርሒ ሙዚቃ፡ መሳርሒ ሙዚቃ ንኣምላኽ ብመዝሙር ንምምስጋን ዓቢ ተራ ኣለዎ፡ ዘመርቲ ብእኡ ኣዝዮም ይነቓቕሑ እዮም። መዝ.98፡5-6 “ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፡ እወ ብመሰንቆን ብደሃይ በገናን ኣመስግንዎ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብእምብልታን ቃና መለኸትን እልል በሉ።”መዝ.150፡3-5
ደው ብምባል (ጠጠው ብምባል)፡ 2ዜና.5፡12 7፡6 29፡26 መዝ.135፡2
ደው ምባል መጀመርያ ናይ ኣኽብሮት ምልክት እዩ። ንሰበስልጣናትን ዓበይትን ደው ትብለሎም፡ ንንጉስ ነገስታት እግዚኣብሄር ድማ ደው ምባል እናውሓዶ እዩ። ካልኣይ ደው ምባል ንቕሓትን ጥንቃቐን እዩ ዘመልክት። ኤፌ.4፡27
ብምምብርካኽ፡ ብምስጋድ፡ ፍግም ብምባል፡ ፍግም ምባል ኩለንትናኻ ምውፋይ የመልክት። መዝ.95፡6 “ንዑ፡ ፍግም ኢልና
ንስገድ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈጣሪና ንንበርከኽ።” ራእ.19፡4 መዝ.2፡11
ብመዝሙር፡ መዝሙር ንምስጋና፡ ንውዳሰ፡ ንኣምልኾ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። መዝሙር ዘይዝምር (ሙዚቃ ዘይፈቱ) ፍጥረት የለን። ብዙሕ ስብከት ኪገልጾ ወይ ኪሕምሽሾ ዘይክእል ልቢ፡ መዝሙር ግን ብቐሊል ይሕምሽሾ። መዝ.144፡9 መዝ.149፡1 መዝ.69፡30-31 ኤፌ.5፡18-21
ብሳዕስዒት፡ ምስጋና ብዚርአ ብዚስማዕን እዩ፡ ሳዕስዒት ብስምዒትካ ተደሪኽካ፡ ብኣካላትካ ምስጋናኻን ውዳሴኻን ምግላጽ እዩ።
ዘጸ.15፡20 2ሳሙ.6፡14-15 መዝ.149፡3
ብእልልታ ምምስጋን፡ መዝ.47፡1 መዝ.66፡1 መዝ.81፡1 መዝ.95፡1-2 መዝ.98፡4-6 መዝ.100፡1 ተመልከት።
እልልታ ናይ ዓወት ምልክት እዩ፡ እስራኤላውያን ኣብ ያሪኮ ንጸላኢ ዘርዓዱ፡ ብጊዜ ጊዴዎን ንጸላኢ ዝሰዓሩ ብድምጺ እልልታ እዮም።
እልልታ ዚብል ቃል ትግርኛ ካብቲ “ሂለል” (Hilel) ዚብል እብራይስጢ ኮይኑ፡ ሃሌሉያ ዚብል’ውን ካብኡ እዩ ወጺኡ። ትርጉሙ ዓው ብዝበለ ድምጺ ንኣምላኽ ምጭዳር ወይ ምውካዕ ማለት እዩ።
ብቋንቋ ምዝራብ፡
መዝ.103፡1 ማር.12፡30
ፍርሃት እግዚኣብሄር ልብና ምስ ረትዓና፡ ህላውነቱ ንህይወትና ምስ ወረረ ብየናይ መዝሙር ወይ ቃላት ከነመስግኖ ንኽእል? ኩሉ ቋንቋታት ምድሪ መወዳእታ ኣለዎ፡ ኩሉ መዝገበ ቃላት ተወዲኡ ትብሎ ምስ ሰኣንካ፡ ኩሉ ትፈልጦ መዝሙራት ዘሚርካ ምስ ወዳእካ፡ እትብሎ ምስ ጠፍኣካ እንታይ ትገብር? ብቋንቋታት ተመስግን። 1ቆረ.14፡2
ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ምእታው፡
ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ክንኣቱ እንተድኣ ደሊና፡ ኣብ ጉባኤ ቅዱሳን ክንርከብ የድልየና። ህላዌ ኣምላኽ በዚ ዚስዕብ ኪግለጽ ይክኣል፡
1. እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ቦታ፡ ኩሉ ጊዜ ይርከብ፡
2. ጎይታ የሱስ “ክልተ ወይ ሰለስተ ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፡ ኣነ ከኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ካባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኩሉ እንተ ተሰማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሃቦም እዩ፡ ኢለ ከምብሓድሽ እብለኩም ኣለኹ።” ኢሉ። ማቴ.18፡19-20
3. ኣብ 2ዜና.5፡13-14 ተጻሒፉ ከም እንረኽቦ እቶም ዘመርቲ ብሙዚቃ ተሰንዮም ድምጾም ከም ሓደ ምስ ኣልዓሉ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ብደመና ነቲ ቤት መልኦ።
ይኹን’ምበር ንእግዚኣብሄር መታን ደመና ክንርኢ ኣይኮናን እንውድሶ፡ ስለ እነፍቅሮ እዩ። ዓላማ ናይ ኣምልኾ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ክሳዕ እንርኢ ከነስተንትንን ክንምሰጥን ኣተሓሳስባና ጠርኒፍና ናብኡ ከነድህብ ከለና እዩ።
ንኣምላኽ ክንውድሶ ከለና፡ ኣምላኽ ኣይኮነን ኪራኸበና ናባና ዚወርድ፡ ንሕና ኢና ብመንፈስና ናብኡ ንድይብ። ኢሳ.2፡3 መዝ.24፡3 ተመልከት።
ከነምልኽ ከለና፡ ናብ ህላዌኡ ክንመጽእ ኣዚና ካብ ምድላይና ዝተላዕለ ቀልጢፉ ኪስምዓና ስለእንደሊ ዝደንጎየ ኮይኑ ኪስምዓና ይኽእል እዩ፡ እግዚኣብሄር ድሮ ምሳና ኣሎ፡ እቲ ዘድልየና ዘሎ ብመንፈስና ናብ ላዕሊ ምድያብ እዩ።
ንእግዚኣብሄር ክንውድሶ ከለና፡ ንሕና ብመንፈስና ናብ መቕደሱ ንላዕሊ ንድይብ፡ ከነምልኽ ከለና ግን ኣምላኽ’ዩ ናባና ዚወርድ።
ኣብ መዝ.132፡13-14 እንተ ተመልከትና እግዚኣብሄር ንጽዮን (ናይ ምስጋናን ውዳሰን ቦታ) ንሓዋሩ መንበሪኡ ኪትከውን ከምዝሓረያ ንምልከት። ስለዚ ብምስጋናን ውዳሴን ንኣምላኽ ዚባርኽ ሰብ እግዚኣብሄር ከኣ ቀዋሚ መሕደሪኡ ይገብሮ።
ኣብ ኣምልኾና፡ ሓላፍነት ናይ ውዳሰን ኣምልኾን ንመራሕ መደብ ወይ ንፓስተር ጥራይ ዚገደፍ ከምዘይኮነ ነስተውዕል፡ ኩሉ ኣማኒ ነናቱ ግደ ኣለዎ፡ ነፍስ ወከፍ ሰብ ንህይወቱ ንኣምልኾን ውዳሰን ከዳልዋ ይግብኦ። እቲ ቀንዲ ሓጋዚ ድማ ንግሆ ሰንበት ብእዋኑ ተንሲእካ ብጸሎትን ምስጋናን ምስ ኣምላኽ ምሕላፍ እዩ።
ኣምልኾ ኣድማዒ መታን ኪኸውን ዘይተናዘዝናዮ ሓጢኣት ከይህሉ ኣቐዲምና ህይወትና ምምርማር እሞ ሕርኽርኽ ዚብል ምስ ዚህሉ ምንዛዝ ኣድላዪ እዩ።
ኣምልኾ ዚባርኽን ጥዑምን ካብ ዚገብርዎ፡
1. ኣኼባና ከየቋረጽና ንኣምልኾ ንመጽእ እንተዀንና፡ እብ.10፡25
2. ንኣምልኾ ክንመጽእ ከለና ምስጋና ክንስውእን ክንህብን እምበር ክንልምን ወይ ክንወሃብ ኢልና ኣይኮንናን እንመጽእ። እንዝምሮ መዛሙር ኣምልኾ ካብ ልብና ማለትና ኪኸውን ሓላፍነት ኣሎና፡ እዚ ኣብ ዝተወሰኑ ሰባት ዚግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ህላዌኡ ክንኣቱ ከለና ገጽና ኣብሪህናን ተሓጒስና ንቕረብ፡ ከመይ ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚደሊ።
3. ብውሽጥና ተደሪኽና ከነምልኽ እንተመጻእና፡ መራሕ መደብ ጽቡቕ ገይሩ እንተመርሐ ክንሕጎስ እንተ ዘይመርሐ ወይ ሙዚቃ እንተ ዘይጸበቐ ንሕና ከኣ ክንቍጠብ ኣይግባእን። ንመን ከም ዝኣመንና ንፈልጥ ኢና።
4. ኣምልኾና ንምሉእ ሰሙን ዚቕጽል ይኹነልና፡ ናይ ሰንበት ኣምለኽቲ ጥራይ ኣይንኹን፡ ህይወትና ኣምልኾ እንተ ኣለማሚድናያ ምሉእ ሰሙን’ውን ኣይኣኽለናን እዩ፡ (Life style) እዩ ዚኸውን።
(ይቕጽል)