
pictures
እግዚኣብሄር ምንጪ ኹሉ ሰናይ ምዃኑ ዘካትዕ ነገር ኣይኮነን። ብዛዕባ ሓዳር ዘለዎ ዕላማ'ውን ሰናይ እዩ። እዚ ሓቂ'ዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ ፡ ካብ ዘፍጥረት ጀሚሩ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ ፡፡ ኣብ ዘፍ. 2፡ 18 ከምዚ ይብል፤ ''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን። ንዕኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ ፡ በለ።'' እዚ ቃል እዚ እግዚኣብሄር መስራቲ ሓዳርን ቤተሰብን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ሓዳርን ቤተሰብን ሰናይ ፍቓዱ ምዃኑ ድማ እዩ።
ሓዳር ክንብል ከሎና እቲ ንጹር ዝኾነ ትርጉሙ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ ከምዘሎ ፡ ''ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይኾኑ።'' ዘፍ. 2፡24 ። ኣብዚ ዘመንና ከም ንሰምዖን ንርእዮን ዘሎና ፡ ናይ ሓዳር ትርጉምን ዕላማን ኣብ ሕቶ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ፡ እቲ ቅኑዕ ትርጉሙ ካብቲ ጀማሪኡን መስራቲኡን ዝኾነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ፡ ኣብ ቃሉ ከምዝበሎ ደኣ'ምበር ፡ ደቂ ሰባት ከም ዝጥዕሞም ጌሮም ዝህብዎ ትርጉም ኣይኮነን። ስለዚ ሓዳር ኣብ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲን ዝግበር ናይ ቃል ኪዳን ምትእትታው ፡ ከካብ ወለዶም ተፈልዮም ፡ ብፍቕርን ብስኒትን ብሓደ ንምንባርን ንኣምላኽ ዘኽብር ስድራ ቤት ንምምስራትን እዩ።
እዚ ክብሃል ከሎ ግና ፡ ጸላእ ኣምላኽ ዚኾነ ጸላኢና ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መደብን ዕላማን ንኸፍርስ ካብ ምቅላስ ከምዘየቋርጽ ፍሉጥ እዩ ፡፡ ንሓዳርን ንቤተሰብን ድማ መደብን ዕላማን ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ከምኡውን ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዘይምቅዳው ብምትእትታው ስድራ ቤት ንኸፍርስ ተዓጢቑ ህርድግ ካብ ምባል ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን፡፡ ኪሰርቕን ኪቐትልን ከዕኑን ከምዝመጸ ቃል ኣምላኽ ኣብ ዮሃ. 10፡10 ኣዳዕዲዑ ገሊጽዎ ኣሎ ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ንስድራ ቤት ከዕኑን ከጥፍእን ዘወትር ይጋደል ኣሎ፡፡
ሓዳርን ቤተሰብን ከምቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ዕላማ ኮይኑ ከይምራሕ ፡ እሞ እዚ ስኒትን ሰላምን ዘለዎ ቤተሰብ’ዚ ንኣምላኹ እንዳ'ኽበረን እንዳ'መስገነን ምእንቲ ከይነብር ፡ ጥዑይ ቤተሰብን ሓዳርን ከኣ፡ ድልዱል ዝኾነ ሕብረተሰብን ንኣምላኹ ዘኽብርን ዝእዘዝን ህዝቢ ስለዘፍሪ ዲያብሎስ ነዚ ከፍርስ ይደሊ።
ኣብ ኤር. 29፡11 ከምዚገለጾ እግዚኣብሄር ዝሓስበልና ሓሳብ ፡ ሓሳብ ሰናይን ሓሳብ ደሓንን እዩ፡፡ ''ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር ፡ ናይ ክፉእ ኣይኮነን ፡ ይብል እግዚኣብሄር።'' መጀመርታ ቅልስና ምስ መን ምዃኑ ፈሊጥና ከምኡ ድማ ከመይ ጌርና ከምንስዕሮ ብምሉእ መሳርያን ዕጥቅን ሂቡ ስዕረት ናትና ከምዚኾነ ሙሉእ ተስፋ ሂቡና ኣሎ ፡፡ ንሕና ከም ኣመንቲ መጠን ግና ስራሕ ድያብሎስ ዘይንስሕት ውዲቱ ድማ እነለሊ ንቑሓት ክንከውን ይግብኣና፡፡ እዚ ማለት ንድያብሎስ ኣብ ሓዳርና ፡ ቦታን ስፍራን ክንህቦ የብልናን። ኣብ ሓዳርናን ናብራናን ንኣምላኽ እነኽብር ፡ ነሕዋትናን ብጾትናን ድማ ንበረኸት ክንከውንን ምኽሪ ድያብሎስ ዘይኮነስ ምኽሪ ኣምላኽ እንፍጽም እዩ ክንከውን ዘሎና።
ሓደ ካብቲ ኣብ ሓዳር ግርጭትን ዘይምቅዳውን ዘምጽእ ከኣ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣታሓሳስባ እዩ ። እዚ ማለት ሰብ ሓዳር ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝሓይሽ ኣብ ክንዲ ምሕሳብ ፡ ንርእሰይ ጥራይ ይጥዓመኒ ብምባል ክትነብር ከሎኻ እዩ። እዚ ኽኣ ናይ ስስዐ መንፈስ እምበር ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 6፡31 ዝብሎ ''ከምቲ ሰብ ክገብሩልኩም እትደልይዎ ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።'' ዝጻረር ፡ ኣምላኽ ዘየኽብር ምስ ሕጊ ኣምላኽ ድማ ዘይሰማማዕ ኣታሓሳስባ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ሓዳር ባእስን ዘይምቅዳውን ከምጽእ ከሎ ይርአ።
ካልኣይ ድማ እግዚኣብሄር ዝእዝዘና ናይ ይቕሬታ ሰባት ክንከውን እዩ። ብዘይ ይቕሬታ ምግባርን ይቕሬታ ምቕባልን፡ ስኒትን ምቅዳውን ኣይርከብን እዩ እሞ ብኣፍልጦን ብዘይ ኣፍልጦን ንንገብሮ በደል ይቕሬታ ክንሓትት ጥራይ ዘይኮነስ ንዝበደሉና ድማ ይቕረ በሃልቲ ክንከውን ይግብኣና። ኣብ ማቴ. 6፡14 ከምዚ ዝብል ቃል ኣሎ ፡ ''ንሰብ በደሎም እንተሓደግኩምሎም ፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ክሓድገልኩም እዩ።'' ስለዚ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ዝመሃረና ፡ በደል ናይ ካልኦት ይቕረ በሃልቲ ፡ ምስ እንብድል ድማ በደልና ተኣሚንና ይቕሬታ ሓተትቲ ክንከውን ይግብኣና።
በደልና ክሕደገልና ዝኽእል ፡ በደል ናይ ካልኦት እንተድኣ ሓዲግና እዩ ። እቲ ምሕረተኛ ዝኾነ ኣምላኽና ካብ ኩሉ በደልናን ሓጢኣትናን ነጻ ጌሩና እዩ'ሞ ፡ ንሕና ድማ ንዝበደሉና ርሕሩሓትን ይቕረ በሃልትን ክንከውን ይግብኣና። እዚ ኣብ ሓዳር ዓቢ ግደ ኣለዎ'ሞ ኣብ ሓዳርና ከምኡ'ውን ኣብ ኩሉ ናብራና ክንጥቀመሉ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ብዓይኒ ስጋ ክንርእዮ ከሎና ዘጸግምን ዝኸብድን ክኸውን ይኸእል እዩ። እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ እንመላለስ ፡ ብእግዚኣብሄር እንኣምን ብጐይታና የሱስ ከኣ ህይወት ዝረኸብና ግና ልብና ነዚ ነገርዚ ከዳልዎ ብትሕትና ፡ ኩሉ እዋን ናብ እግዚኣብሄር ክንቀርብ ይግብኣና።እግዚኣብሄር ሰላምን ቅሳነትን ዘለዎ ናብራ ክንነብር ሰናይ ፍቓዱ እዩ ። ነቲ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዚኾነ ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ናብራ ግና በቲ ኣብ ልብና እንሕዞ ንእግዚኣብሄር ዘየኽብር ቂም ፡ ናብራናን ሓዳርና ከይነባላሹ ንጠንቀቕ።
እግዚኣብሄር ኣብ እንታይ ኩነታት ከምዘሎና ውሽጥና ይፈልጥ እዩ ። ገለ ነገር ኣብ ውሽጥና እንተደኣ ኣሎና ቀልጢፍና ይቕረ ክንብልን ይቕሬታ ኪንሓትትን ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ፡ ንኹሉ በደልናን ኣበሳናን ካብ ዝሓድገልና ደኣ ንሕና ክንደየናይ ነሕዋትናን ንብጾትናን በደሎም ዘይንሓድገሎም።
ኣሕዋተየ ንሕና ኣብቲ ፍትሕ እናበዝሓሉ ዚኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ክንኣቱ ዘይኮነስ ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ተደጊፍና ብሓዳርናን ናብራናን ንኻልኦት ኣብነት ክንከውን እሞ ፡ ንርእስና ዄንናስ ንኻልኦት ብርሃንን ጨውን ብምዃን ፡ ንዚደኸሙ እነባራትዕ ፡ ንሰናይ እንመርሕን ሓቖፍትን መፍቀርትን ኴንና፡ ንኣምላኽ እነስምር ንመደብ እግዚኣብሄር ድማ እንቃለስ ትጉሃት ኣመንቲ ክንከውን ዘወትር ክንጋደል ይግብኣና።