
pictures
ክቡር ኣንባቢ፡ ነዚ ኣርእስቲ ናይ’ዛ ጽሕፍቲ ከተንብብ ከለኻ፡ ብመጀመርያ ጦብላሕ ካብ ዚብሉኻ ሕቶታት፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣሎ ድዩ? ከመይ ጌይረኸ ክፈልጥ እኽእል? እንታይን ከመይን ኢሉ እዩኸ ዚዛረበኒ ዚብል ኪኸውን ይኽእል። እወ፡ እዚ ኩሉ ኣገባብ ዘለዎ ኪልዓል ዚግባእ ኣገዳሲ ሕቶታት እዩ። እስኪ ቍሩብ ምላሽ ክንህብ ክንፍትን።
ፍጥረት ብምሉኡን ኣእምሮን ፈጣሪ ብግዲ ኪህሉ ከምዘለዎ ይሕብሩና እዮም። ብዝያዳ ግን ፈጣሪ ጥራይ ዘይኮነስ ቅዱስ: ፈቃር; ዘለኣለማዊ: ከምኡ ድማ ጻድቕ ፈራዲ ዝኾነ ኣምላኽ ከምዘሎ እንፈልጥ ባዕሉ ኣምላኽ ከም ሓደ ከማና ኮይኑ፡ ስጋ ለቢሱ ኣብ ታሪኽ ሓደ ግዜ ብዚርኤ ኣካል መጺኡ ኣብ ማእከል ደቂ ሰባት ብምምልላሱ እዩ። ንሱ ከኣ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ደጊም፡ ኣምላኽ ኣሎዶ የሎን ንዚብል ሕቶ፡ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ እዩ ኢልካ ምቕባል ወይ ዘይምቕባል ውሳኒ ይኸውን ማለት እዩ። እዚ “የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ እዩ” ዚብል መሰረታዊ ዝኾነ ትምህርቲ ናይ ክርስትና እምነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ንረኽቦ፡ ታሪኽ ዚምስክሮ ክዉንነት ከኣ እዩ።
ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 1፡1-3 “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቃል’ውን ኣምላኽ ነበረ፡ እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ ብእኡ ኵሉ ኮነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ የልቦን” ይብል።
ዮሃ.1፡14 “እቲ ቃል ስጋ ኮነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ከኣ ኣባና ሓደረ።” ዮሃ.1፡18 “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚረኣዮ የልቦን እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ ንሱ ኣግሃዶ” ይብል። እቲ ነዚ ሓቂ እዚ ዚገልጽ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተኣምራታዊ መጽሓፍ እዩ፡ ልዕሊ ኣርብዓ ዚኾኑ ዝተፈላለዩ ጸሓፍቲ፡ እቲ ዚቐደመ ኣስታት 1500 ዓመተ ዓለም፡ እቲ ዝደሓረ ከኣ ብ96 ዓመተ ምሕረት፡ ኣምላኽ ተዛሪቡዎምን ገሊጹሎምን ዚጸሓፍዎ መስተንክር ብዝኾነ መገዲ ከኣ ክሳዕ እዚ እዋን’ዚ ተኣርኒቡን ተሓልዩን ናባና በጺሑ ኣሎ። ትሕዝቶኡ ከኣ ብርግጽ ቃል ኣምላኽ ድኣ’ምበር ምህዞን ጽውጽዋያትን ደቂ ሰባት ከምዘይኮነ በቲ ኣብኡ ዘሎ ቅኑዕ ትምህርቲ ክንርዳእ ንኽእል።
ኣብ 2ጴጥ.1፡16-18 “ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝረኤናዮ ምስክር ኰንና ኢና እምበር እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዓብናን” ይብል።
ምስናይ እዚ ኣሉ ኪበሃል ዘይከኣል ውሽጣውን ግዳማውን ጭብጥታት ከኣ ኣለዎ። ንምስክር ዚኸውን፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ ኩሉ ክፍሊ ዓለም ሕጂ ዚነብሩ ዘለዉ፡ ብቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ካብ ዕያግ ርኽሰት ወጺኦም ዝተለወጡ ሓድሽ ህይወት ረኺቦም ይመላለሱ ምህላዎን፡ ታሪኻዊ ሓቅነት ናይቲ መጽሓፍ ብናይ ኣርክዮሎጂ መጽናዕትታት ተደጋጊሙ ምርግጋጹ፡ ብተወሳኺ ከኣ በቲ ኣብኡ ዘሎ ጽኑዕ ዝኾነ ትንቢታዊ ቃል፡ እዚ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸሙን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዚፍጸም ዘሎን ንብድሕሪ ሕጂ ዚፍጸምን ምጥቃስ ይከኣል።
ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ ካልእ ምላሽ ክንረኽብረሉ ዘይንኽእል ኣገዳሲ ናይ ህይወት ሕቶታት፡ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን፡ ጽድቅን ኵነኔን፡ ኣምላኽን ሰይጣንን፡ መጀመርታ ዓለምን መፈጸምታን፡ ሞትን ድሕሪኡ ዘሎን ማለት መንግስተ ሰማያትን ገሃነም እሳትን፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ካልእ’ውን ኣነጺሩ ምላሽ ዚህብ ስለዝኾነ፡ ኵሉ ሰብ ተገዲሱ ክንብቦን ክምርምሮን ኣለዎ ኢልና ንኣምን። እስኪ ንግዜኡ ግና ሒደት ፍረ ነገር ካብቲ እግዚኣብሄር ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተዛረቦ ቃላት ነድህብ።
1ይ እግዚኣብሄር ንሰብ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ሂቡ፡ ንኽብሩ ብምስሊ ናቱ ከምዚፈጠሮ
ይዛረብ። ኣብ ዘፍ.1፡27 ኢሳ.43፡6-7
2ይ ሰብ ዘልኣለማዊ ከምዝኾነ ማለት መጀመርታ ድኣምበር መወዳእታ ከምዘይብሉ ይዛረብ።
መክ.3፡11 ዮሃ.5፡28-29
3ይ ሰብ ኩሉ ብባህርዩን ብግብሩን ውዱቕን ሓጢኣተኛን ኮይኑ ካብ ኣምላኽ ከምዝዓመጸን
ከም ዝኾብለለን ይዛረብ።
ሮሜ 3፡10-18 ኤፌ.2፡1-3 ኢሳ.53፡6።
4ይ እግዚኣብሄር ንኹሉ ዘይምእዛዝን ሓጢኣትን ዓመጽን ከምዝቐጽዕን ከምዚፈርድን
ይዛረብ። ራእ.21፡8 ሮሜ 1፡18 2፡8-9 2ተሰ.1፡6-8
5ይ ሰብ ኩሉ ምእንቲ ከይጠፍእ ካብ ክፉእ መገዱን ሓሳባቱን ግብሩን ተጣዒሱ ብንስሓ ናብ
ኣምላኹ ኪምለስ ከምዘለዎ ይዛረብ። ግብ.17፡30-31 ኢሳ.55፡6-7
6ይ ዘልኣለም ህይወትን ምድሓንን ንየሱስ ክርስቶስ ብምቕባልን ብምእማንን ጥራይ ብኸምኡ
ከምዚርከብን ይዛረብ። ዮሃ.5፡24 ሮሜ 3፡22 ኤፌ.2፡4-9
ስለዚ ክቡር ኣንባቢ እዚ ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ’ዚ፡ ሰብ ብሙዃንካ ይምልከተካ እዩ
እሞ ሎሚ እትድሕነሉ መገዲ ኪሕብረካ ከሎ ትሕት ኢልካ ንጥቕምኻ ክትቅበሎ
ንምዕደካ።
ኣስተውዕል፡ ኵሉ ኪሓልፍ እዩ፡ ኵሉ ናይ’ዛ ዓለም እዚኣ ንብረትን ጣዕምን ሃብትን ሓጢኣት ዚህቦ ኮነ ዘምጽኦ ግዝያዊ ተድላ ኩሉ ኪሓልፍ እዩ። ንስኻ ንርእስኻ’ውን መዋቲ ሓላፊ ኢኻ። 1ዮሃ.2፡17 “ዓለም ትሓልፍ እያ፡ ፍትወታ ከኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘልኣለም ይነብር” ይብል። እምበኣር ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትካ ሕጂ ተቐበሎ፡ ብቓላቱ’ውን ተመራሕ። ሎሚ ምስ ኣምላኽ ተዓሪቕካ ትርጉም ዘለዎ ሓድሽ ህይወት ጀምር። ብወገን ኣምላኽ ከምዚ ዚስዕብ ይቕሬታን ምሕረትን ተስፋን ኣሎካ፡ እዚ ንዓኻ ጥዑም ቓል ብስራት እዩ፡ ደጋጊምካ ኣቕልበሉ።
“ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ ዓለም ብእኡ ክትድሕን እምበር ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን፡ እቲ ዘይኣምን ግና ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ እዩ’ሞ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ፡ ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ’ሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ከይዝለፍ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን ፡ እቲ ሓቂ ዚገብር ግና ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።” ዮሃ.3፡16-21
“ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዚኸበደኩምን፡ ኣነ ከዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ፡ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ካባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።” ማቴ.11፡28-30
“ግናኸ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ከም ሽሕ ዓመት ሽሕ ዓመት’ውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ሙዃኑ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም። ጎይታስ ኩላቶም ናብ ንስሓ ኪበጽሑ እምበር ሓደ እኳ ኪጠፍእ ዘይፈቱ ስለዝኾነ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም ንተስፍኡ ኣየደንጉዮን እዩ። መዓልቲ ጎይታ ግና ከም ሰራቒ ኮይና ክትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኪመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።” 2ጴጥ.3፡8-10
እግዚኣብሄር ይዛረበካ’ሎ’ሞ ስማዕ፡ ጽን በሎ ኣይትተዓበ፡ እግዚኣብሄር ከየጸልመተ፡ ኣብቲ ዝጸልመተ ኣኽራን ከኣ ኣእጋርካ ከይተሰናኸላ፡ ነታ እትጽበያ ብርሃን ድማ ድነ ሞት ከይገበራ ናብ ድቕድቕ ጸልማት’ውን ከይለወጣ ከሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ክብሪ ሃብ።”
ኤር.13፡15-16